ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ መንጎ ነገዳት ብዝተላዕለ ግጭት 60 ሰባት ምሟቶም ኤ.ኤፍፒ ገሊጹ


ቕድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ደቡብ ሱዳን ክፍለ ግዝኣት ቡ ኒል ጥቃ ዶብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ነገዳት ብዘጋጠመ ግጭት 60 ሰባት ሞይቶም 163 ኸኣ ቆሲሎም ክብል ሚኒስትሪ ጥዕና'ቲ ክፍለ ግዝኣት አፍሊጡ።

እቶም 13 ብጽኑዕ ዝቆሰሉ ናብ ሆስፒታል ኻርቱም ከምዝተወስዱ ኣገልግሎት ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ገሊጹ።

እቲ ግጭት ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ መንጎ ነገዳት ብርቲን ሃውሳን ዝተላዕለ ክኸውን መበገሲኡ ኸኣ ጉዳይ መሬት ምዃኑ ክልቲኦም ወገናት ከም ዝገለጽሉ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG