ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡብ ሱዳን ህውከት ምውሳኹ ሕ/ሃ ሓቢሩ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ መወዳእታ እዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ሃገር ህውከት ብዝለዓለ ደረጃ ከምዝወሰኸ ወሃቢ-ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪክ ገሊፆም።

ስቴፋን ዱጃሪክ ‘’እቲ ህውከት ብዝዓበየ ዘጋጠመሉ ኣብ ክፍለ ግዝታት ኣፐር ናይል፣ ዋራፕን ጆንግለይን እዩ’’ ኢሎም።እቲ ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ናይ ርብዒ ዓመት ፀብፃቡ ብዝሒ ዝተጎድኡ ስቪላት ኣብ 2021 ምስ ዝነበረ ክነፃፀር ከሎ 87% ወሲኹ ኢሎም።

እቶም ወሃቢ ቃል እቲ ዘሰንብድ ህውከት:መጭወይቲ ብ464%: ምስ ግጭት ዝተተሓሐዘ ፆታዊ ዓመፅ ድማ ብ360% እዩ ወሲኹ ኢሎም ። ብኣገላልፃ ዱጃሪክ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ገዲዱ ዝቐፀለ ህውከት ኣብ ምቁፅፃርን ሕግታት ዓለምለኸ ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣውነትን መሰረት ብምግባር ንስቪላት ሓለዋ ኣብ ምሃብን ቕልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓቃቢ ሰላም ኣብ ርእሲ ሓለዋታት ምግባርን ህውከት ኣብ ዝሓየለሎም ቦታታት ግዚያዊ ናይ ስርሒት ኖቕጣታት ምምስራትን ሰላምን ልዝብን ክካየድ ይሰርሕ ከምዘሎ ወሲኾም ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG