ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡባዊ ሶማል ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ በዓል ስልጣን መንግስቲ ዝርከብዎም 9 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ደቡባዊ ሶማል፣ ንሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ሓዊሱ ትሸዓተ ሰባት ኣልሸባብ ብዝፈጸሞ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ከምዝሞቱ ተፈሊጡ።

እቲ መጥቓዕቲ ዘጋጠመ፣ ሓላፊ’ቲ ከባቢ ዓብዱላሂ ዓሊ መሓመድ፣ ምስ ህዝቢ ከተማ ማርካ ይዘራረብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ። ፖሊስ’ታ ከተማ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ኮምሽነር ዓብዱላሂ ምስ ትሸዓተ ኣባላት ጸጥታ ምሟቶም ሓቢሩ'ሎ።

ሓላፍነት እቲ መጥቓዕቲ ዝተሰከመ ኣል ሸባብ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መግለጺ እቲ ‘ሰማእታዊ’ ዝበሎ ሞት፣ ስለ ምቅንጻል እቲ ኮምሽነር ዝተፈጸመ’ዩ ይብል።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኢና ዝብሉ ብወገኖም እቲ ርእሰ ቅትለት ዝፈጸመ ውልቀ ሰብ፣ ናብ ኮምሽነር ዓብዱላሂ ጎዪዩ ምስ ተጸገዐ፣ እቲ ነታጒ ከምዘንተጎ ሓቢሮም።

ኣል ሸባብ ዝሓለፈ ቅነ፣ ናብ ጎረቤት ሶማል ዝኾነት ኢትዮጵያ ሰጊሩ ዘይልሙድ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ዝዝከር እዩ። ክልላዊ ሰበ ስልጣን ብወገኖም ኣስታት 100 ሚልሻታት ቀቲልና ከምዝበሉ’ውን እቲ ዜና ይሕብር።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ታሕተዋይ ዞባ ሸበሌ ሃገረ ሶማል፣ ብሰንኪ ዘጋጠሙ ክልተ ሓደጋ ቦምብ፣ ንከንቲባ’ቲ ከባቢ ወሲኹ ብውሑድ 18 ሰባት ተቀቲሎም።

ኣል ሸባብ ነዚ ናይ ሎሚ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ'ሎ ።

XS
SM
MD
LG