ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደሴ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ተኻይዱ


መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መተከልን ካልኦት ከባቢታት’ታ ሃገርን፣ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኣምሓራ ይወርድ ኣሎ ዝብልዎ ግፍዒ ንክምክትን፣ ኣብ ልዕሊ ኣብ ጥፍኣት ሃገር ተዋፊሩ ነይሩ ዝበልዎ ዕጡቅ ህወሓት ዝተወሰደ ስጉምቲን ዝተመዝገበ ዝበልዎ ዓወትን ንድግፍ ዝብል ሰልፊ ኣብ ስታድየም ደሴ ተካይዱ።

ከንቲባ ደሴ ኣቶ ኣበበ ገ/መስቀል ‘ንዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት፣ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝፈላልዩ ናይ ሓሰት ታሪኽ ኮነ ተባሂሉ ንክጋፋሕ ከምዝተገበረ’ ጠቂሶም።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብቀ/ሚ ኣብዪን ናይ ለውጢ መሪሕነትን ንዝተፈጸሙ ተግባራት ዝናኣዱ እቶም ከንቲባ ‘ምስ ኤርትራ ዝተሓደሰ ምሕዝነት፣ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝተወሰደ ስጉምቲ፣ ንመንፈስ ኢትዮጵያዊያነት ንምምላስ ዝተገብሩ ጻዕሪታት ከምኣብነት ምልዓሎም ተገሊጹ'ሎ።

XS
SM
MD
LG