ነቀምቴ —
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዩኒቨርስቲ ደምቢ ዶሎ ተፈጢሩ ዝነበረ ናይ ተማሃሮ ግጭት ምርግጋኡ ናይቲ ዩኒቨርስቲ ፕረዚደንት ዶክተር ለታ ተስፋየ ገሊፆም።
ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ሓደ ተማሃራይ እቲ ዩኒቨርስቲ መንነቱ ብዘይተፈልጠ ውልቀሰብ ከምዝተቐትለ ዶ/ር ለታ ተዛሪቦም ኣለው።
ኣብ ዩኒቨርስቲ መቱ እውን ተማሃሮ ትምህርቶም ክጅምሩ ልዝብ ምክያዱ ተገሊጹ’ሎ።