ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዪኒቨርስቲ ወልዲያ ኣብ መንጎ ተማሃሮ ብዝተልዓለ ግጭት 2 ተማሃሮ ምሟቶም ተፈሊጡ


ብቕድሚ ትማሊ ብቐዳም ኣብ ዪኒቨርስቲ ወልዲያ ኣብ መንጎ ተማሃሮ ብዝተልዓለ ግጭት ክልተ ተማሃሮ ከምዝተቐትሉን ኣብ ልዕሊ 10 ተማሃሮ ድማ ጉድኣት ከምዝወረደን ተፈሊጡ።ፖሊስ ክልል ኣምሓራ መንቀሊ ናይቲ ግጭትን ፈፀምቲ ናይቲ ገበንን የጻረ ከምዘሎን፤ ተሓተቲ ናብ ሕጊ ከምዝቐርቡን ገሊጹ’ሎ።

ሓላፊ ፖሊስ ዞባ ሰሜን ወሎ ኮማንደር ሃብታሙ ሲሳይ ብዛዕባ እቲ ግጭት ከምዚ ኢሎም።

“ትማሊ ካብ ምሸት ሰዓት ኣርባዕተ ፈረቓን ጀሚሩ ፀዋታ ኩዕዞ እግሪ DSTV ክርእዩ ጸኒሖም ክወፁ ከለው ኣብ መንጎ ተማሃሮ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ግጭት ተላዒሉ ህይወት ክልተ ሰባት ጠፊኡ’ሎ።ቀሊልን ማእኸላይ ጉድኣት ዝወረዶም ድማ ተሓኪሞም ዝተመልሱ ኣለው።”

ምስቶም ዝተቐትሉ ዝቀራረቡ ተማሃሮ ኣብዝሃብዎ ርእይቶ ግን እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ናይ ተማሃሮ መሕደሪ ክፍሊ ከምዝተፈፀመ ሓቢሮም።

ናይ ክልል ኣምሓራ ኮሚሽነር ፖሊስ ኣበረ ኣዳሙ ጉዳት ዘውረዱ ሰባት መርሚሩ ናብ ፍርዲ ዘቕርብ ግብረ ሓይሊ ምጥያሹ ገሊፆም ኣለው።ተሳተፍቲ ተባሂሎም ዝጥርጠሩ እውን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ይኣትው ከምዘለው ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ኣቶ ጌትነት ይርሳው ትማሊ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቢሮም።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ምኽትል ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ዘውፅኡዎ መግለፂ ገለ ፖለቲካዊ ውድባት ብሓፂር መንገዲ ስልጣን ንምሓዝ ነቲ ህዝቢ እናጨነቕዎ እዮም፣ኩነታት እናመረፁ ግጭትታ ክጋፋሕ እውን እናሰርሑ ይርከቡ ክብሉ ከሲሶምዎም።መንነት ናይቶም ውድባት ግን ኣይገለፁን።

ኣማሲዩ ብዝበፅሐና ዜና ከይዲ ምምሃር ምስትምሃርእቲ ዩኒቨርስቲ ናብ ንቡር ንምምላስ ፃዕሪ ይኻየድ ምህላው እቲ ዩኒቨርሲቲ ገሊፁ።

ተማሃሮ ብሓይልታት ፀጥታ ተዓፊኖም ተወሲዶም ዝብል ኣብ ማሕበራዊ መሓውራት ዜና ይዝርጋሕ ብዛዕባ ዘሎ ሓበሬታ ዝተሓተተ ፖሊስ ዞባ ሰሜን ወሎ በቲ ግጭት ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ካብ ዝርከቡ ወፃኢ ተዓፊኑ ዝተወስደ ዋላ ሓደ ሰብ የለን ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG