ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዩኒቨርስቲ ሚሺጋን ስቴት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 3 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርስቲ ሚሺጋን ስቴት ትማሊ ሰኑይ ብዘጋጠመ፡ ህይወት ሰለስተ ሰባት ወሲዱ ሓሙሽተ ዘቝሰለ መጥቃዕቲ፡ እቲ ዩኒቨርስቲ ን48 ሰዓታት ከም ዝተዓጽወ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ።

በቲ መጥቃዕቲ ተሃሪሞም ናብ ሕክምና ዝተወስዱ ግዳያት፡ ዘድሊ ሕክምናዊ ሓገዝ እኳ ይግበረሎም እንተሎ፡ ኣብ ጽንኵር ኩነታት ከም ዘለዉ ፖሊስ ሓቢሩ።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ዕጡቕ’ውን ካብቲ ዩኒቨርቲ ውጽእ ኣብ ዝበለ ቦታ ብዝተገብረ ምልውዋጥ ተዅሲ ከም ዝተቐትለ ሓላፊ ፖሊስ እቲ ዩኒቨርስቲ ኣመልኪቱ።

ጠንቂን ዕላማ እቲ መጥቃዕቲን ፖሊስ እቲ ዩኒቨርስቲ የጽንዖ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ኣቐዲሙ ግን ከምኡ ዝመስል መጥቃዕቲ ከጋጥም ከም ዝኽእል ሓበሬታ ከም ዘይነበሮ ፖሊስ ጠቒሱ። ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀ-ሰብ ምስቲ ዩኒቨርስቲ ዘለዎ ምትእስሳር’ውን ዛጊት ኣይተነጸረን።

ካብ ርእሰ-ከተማ ዲትሮይት፡ ኣስታት 145 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ምብራቕ ላንሲንግ ዝተደኰነት ሚሺጋን ሽተት ዩኒቨርስቲ፡ ኣስታት 50-ሽሕ ተመሃሮ ተምህር።

XS
SM
MD
LG