ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደምቢደሎ ወለጋ ብዝነበረ ዘይምርግጋእ ሃዲሞም ዝነበሩ ተማሃሮ፡ ሰላም ብምዃኑ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ምምላሶም ሓቢሮም


የደምቢዶሎ ዩኒቨርሲቲ ፕረዚደንት ዶ/ር ለታ ተስፋዬ
የደምቢዶሎ ዩኒቨርሲቲ ፕረዚደንት ዶ/ር ለታ ተስፋዬ

ካብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙናት ጀሚርና ዳግም ትምህርትና ክንከታተል ጀሚርና ኣለና ዝበለት ተማሃሪት ምሕረት ደማው፡ ንሓደ ወርሒ ኣዕሪፍና ኢና ተመሊስና ትብል። “ምስ መጻና ብዙሕ ዝተመሓየሸ ነገራት`ዩ ጸኒሑና። ናይ ማይ ነገር ተመሓይሹ፡ ከምኡ`ውን ሰላም ኮይኑ ንፈርሖ ነገር የለን ፡ ንኣትው ንወጽእ፡ ቤተ-መጻሕፍቲ ክሳብ ዝደለናዮ ክንጸንሕ ንኽእል፡ መማህራን`ውን ብጽቡቕ ይምህሩና`ለዉ፡ ሕጂ ንፈተና ኢና ንቀራረብ ዘለና”።


ካልእ ያሕያ ዓብዱራሕማን ዝተባህለ ተማሃራይ ድማ፡ ዓቢይ ለውጢ`ዩ ዘሎ፡ መማህራን ነቲ ዝኸሰርናዮ ግዜ ንምክሕሓስ ኣብ ናጻ-ግዜኦም ይረባረቡ`ዮም ዘለዉ ይብል።

ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ደምቢደሎ፡ ዶ/ር ለታ ተስፋዬ፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ`ዚ ሰዓት`ዚ ናብ ናይ ቀደም ምርግጋኡ ተመሊሱ`ሎ ኢሉ።

ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG