ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወሎ ዝጀመረ ወጥሪ ሎሚ’ውን ቀጺሉ ምውዓሉ ተገሊጹ


ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዩኒቨርስቲ ወሎ ዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ሎሚ እውን ቀፂሉ ከምዝወዓለ ተፈሊጡ።ኣብ መንጎ ተማሃሮ ተወላዶ ኣምሓራን ተወላዶ ኦሮሞን ዘሎ ወጥሪ ዝያዳ ከይጋደድ መራሕቲ ሃይማኖት፣ዓበይቲ ዓድን ላዕለዎት ሰበስልጣን እቲ ክልልን ዝሓቖፈ ጉጅለ ምስ ተማሃሮ ምዝርራቡ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ሎም ቅነ ኣብ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞን ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ኣጣየን ማጀቴን ብዝተፈጥረ ግጭት ህይወት ሰብ ምጥፍኡ ስዒቡ ተማሃሮ ዪኒቨርስቲ ወሎ ደሴ ካምፓስ ትማሊ ሰሉስ ሰልፊ ከካይዱ ፈቲኖም ነይሮም።መሰል ኣምሓራ ይከበር፣ኣምሓራይ መጥቓዕቲ ይፍጸሞ ኣሎ ብዝብል ሰልፊ ጀሚሮም ሓይልታት ፀጥታ ናብቲ ቐፅሪ መሊሱዎም ስዒቡ ኣብ መንጎ ተማሃሮ ግጭት ምፍጣሩ ፕረዚዳንት’ቲ ዩኒቨርሲቲ ዶ/ር ኣባተ ጌታሁን ሓቢሮም።

“ካብ ክልቲኡ ወገን እዚ ክፍጠር ዝደልዩ ኣለው።ፀገም ክፍጠር ዝደልይ ናይ ወፃኢ ኣካል እውን ስለዘሎ ዝተወሰነ ግጭት ተፈጢሩ።”

በቲ ግጭት ሓደ ሰብ ሞይቱ ኣርባዕተ ተማሃሮ ድማ ቀሊል መቑሰልቲ ኣጋጢሙዎም።

ብኻልእ ዜና ካብ ባቲ ናብ ከሚሴ ይጉዓዝ ዝነበረ 880 ጠያይቲ ክላሽን ኮፍ ኣብ ከተማ ኮምበልቻ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምውዓሉ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG