ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወልድያ ዘጋጠመ ቕትለት ተማሃሮ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲታት ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ


ሎሚ ቅነ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ወልድያ ዩኒቨርሲቲ ንዘጋጠመ ሞት ተማሃሮ ብምኹናን ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ወልድያ ዩኒቨርሲቲ ተኻይዱ፡ሰልፈኛታት ተሓተቲ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ’ውን ሓቲቶም ኣለው።

ብተመሳሳሊ ተማሃሮ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ሰላማዊ ሰልፊን ናይ መግቢ ምህሳም አድማ አካይዶም ኣለው።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝርከቡ ተማሃሮ ደሕንነት ንምሕላው’ውን ምስ ክልል ኣምሓራ ይሰርሑ ከምዘለው ምክትል ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ክልል ኦሮምያ ገሊጾም ኣለው።

ኣብቲ ካብ ቀዳማይ ደረጃ ክሳብ መሰናድኦ ዘለው ተማሃሮ፡ ሰራሕተኛ ትካላት መንግስቲ፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ነበርቲን ዝተኻፈልሉ ናይ ሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ ቅትለት ተማሃሮ ብምኹናን ንሓድነት መጸዋዕታ ዝተመሓለለፈሉ’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG