ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠመ ጎንጺ ሓያለ ተማሃሮ ምጕድኦም ተሓቢሩ


ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ
ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ኣራት ኪሎን ስድስት ኪሎን ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ መንጎ ተማሃሮ መንነት መሰረት ዝገበረ ጎንጺ ተፈጢሩ ሓያለ ተማሃሮ ከምዝተጎድኡ ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ወሃብቲ ርእይቶ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።


እቲ ኣብ መንጎ ተወላዶ ኣምሓራን ኦሮሞን ዝኾኑ ተማሃሮ ብሰንበት ዝተፈጥረ ጎንጺ ቅድሚ ምፍጣሩ ድሮ በዓል ዓድዋ ጸገም ምንባሩ ዝገለጹ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ መበገሲኡ ብሓደ ዘይተፈልጠ ኣካል ተበቲኑ ተረኺቡ ዝተባህለ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኦሮሞ ዘቅንዐ ወረቀትን በቲ ሓደ ካልእ ወገን ኸኣ ምስሊ ሃጸይ ሚኒልክ ዘለዎም ካናተራን ካልኦት ኣልባሳትን ኣብ ልዕሊ ዝተኸደኑ ተማሃሮ ዘጋጠመ መጥቃዕቲን እዩ ኢሎም። እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ብዙሓት ተማሃሮ ገና ናብ ትምህርቲ ከም ዘይተመልሱ'ዉን ገሊጾም'ለዉ።


ምስቲ ጎንጺ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ቐይዲ ዝኣተው ሸሞንተ ውልቀ ሰባት ተማሃሮ እቲ ዩኒቨርስቲ ዝነበሩ ምኻኖም እቲ ዩኒቨርስቲ ኣፍሊጡ'ሎ።

XS
SM
MD
LG