ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ ዝረአ ዘይምርግጋእ ህይወት ሰብ ምጥፍኡ ከምዘሕዘኖም ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ገሊጾም


ርእሰ ኣመሓዳሪ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው
ርእሰ ኣመሓዳሪ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው

ኣብ ሓደ ሓደ ዩኒቨርስታት ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ህይወት ሰብ ምጥፍኡን በቲ ፋጻሜ ምሕዛኖምን ርእሰ ኣመሓዳሪ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው ትማሊ ምሸት ገሊፆም።

ትማሊ ምሸት መግለፂ ዝሃቡ ኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው ካብ ዝኾነ ይኹን ክልል ናብ ክልል ኣምሓራ ዝመፁ ተማሃሮ ናይ ኣምሓራ ውላድ እዮም፤ ኣብታ ሃገር ዝተፈጥረ ኣንፃራዊ ሰላም ንምዝራግ ተማሃሮ መጥቐሚ ክኾኑ የብሎም ኢሎም።

“ናይቶም ተማሃሮ ዕላማ ምክትታል ትምህርቲ እዩ።ነዚ ዝዕንቅፍ ካብ ውሽጦም ይኹን ካብ ወፃኢ ዝመፅእ ሓይሊ ከቃልዑ ኣለዎም።ተሓባበርቲ ክኾኑ የብሎምን።ተማሃሮ ሕድ ሕዶም ካብ ምግጫው ክርሕቑ ኣለዎ።ኣብ ክልልና ምስ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ዩኒቨርስቲታት፣ምስ ሕብረተሰብ ብፅንዓት ክንሰርሕ ኢና።”

ትማሊ ኣብ ዩኒቨስሪ ጎንደር ተኸሲቱ ዝነበረ ውሱን ዘይምርግጋእ ብኣመራርሓ እቲ ዩኒቨርስቲ፣ነበርቲ ከተማ፣ሽማግለታት ዓዲን ብፍሉይ ሓይሊ ፖሊስን ሰላም ናብ ንቡር ተመሊሱ’ሎ ኢሎም ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ዶ/ር ደሳለኝ መንገሻ።

ኣቦ ወንበር ባይቶ ሰላምን ልምዓትን ከተማ ጎንደር ኣቶ ባዩ በዛብህ ደቆም ናብ ዩኒቨርስቲ ጎንደር ንዝለኣኹ ወለዲ እዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኣለዎም።

“ምስ ኣዲኦምን ኣቡኦን ከምዘለው ገይሮም ክርድኡ ኣለዎም።ዋላ ሓደ ነገር፣ኣሽንዃይዶ ካልእ ፅንፅያ እውን ኣይዓርፎምን እዮም።”

ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣሶሳ ኣብ መንጎ ክልተ ተማሃሮ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ናይ ብሄር መልክዕ ብምሓዙ ብዝተፈጥረ ህውከት ህይወት ሰለስተ ተማሃሮ ምሕላፉን ካልኦት 34 ተማሃሮ ድማ ምቑሳሉን ሚንስተር ሳይንስን ላዕለዋይን ትምህርትን ዶ/ር ሂሩት ወልደማሪያም ምግላፀን ይዝከር።

Recommended

XS
SM
MD
LG