ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ የመን ዝተኻየደ ሓድሽ ግጭት ኣስታት 200 ሰባት ምሟቶም ምንጭታት ይገልጹ


ተዋጋእቲ ብስዑዲ ዝድገፍ መንግስቲ የመን- ኣብ ከተማ ማሪብ
ተዋጋእቲ ብስዑዲ ዝድገፍ መንግስቲ የመን- ኣብ ከተማ ማሪብ

ኣብ ጥቓ ስትራተጂያዊት ከተማ የመን፡ ማሪብ፡ ዝተኻየደ ሓዲሽ ግጭት ኣስታት 200 ተዋጋእቲ ተቐቲሎም ክብሉ ጸብጻብ ወተሃደራውን ሕክምናውን ምንጭታት የመን ሓቢሮም። ኣብቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 125 ዕጡቓት ሑቲ ብመጥቃዕቲ ነፈርትን ምስ ደገፍቲ መንግስቲ ብዝተገብረ ውግእን ከምዝሞቱ ኤኤፍፒ ይገልጽ።

ካብቶም ብስዑድን ብኢማራት ዓረብን ዝድገፉ ዕጡቓት ድማ 70 ተዋጋእቲ ከምዝሞቱ መንግስቲ የመን ጠቒሱ`ሎ።

ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት ኣንጻር ሑቲ ንመንግስቲ የመን ምሕጋዙ ቀጺሉ`ሎ ፡ ሚልዮናት ተፈናቒሎም፡ ሕቡራት ሃገራት ድማ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ክብል ንኩነታት የመን ይገልጽ።

እቲ ሸውዓተ ዓመታት ዘቑጸረ ግጭት ኣብ ዝዓረገሉ እዋን፡ ትማሊ ሰኑይ ድማ ዕጡቓት ሑቲ ንሓንቲ ባንዴራ ኢማራት ተንበልብል ወተሃደራዊ መርከብ ሒዝና ኢሎም ኣለዉ፡ እቲ ጥምረት ግን ሕክምናዊ ቐረባት ዝሓዘት`ምበር ወተሃደራዊ ኣይኮነትን ኢሉ`ሎ።

XS
SM
MD
LG