ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባ ጉራጌ ኣባላት ቤትምኽሪ ዝርከብዎም 60 ሰባት ተኣሲሮም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባ ጉራጌ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሎም ዘይተልዓለ ኣባላት ቤትምኽሪ ሓዊሱ 60 ሰባት ምእሳሮም ነበርትን ሓደ ብዓል ሞያ ሕግን ገሊፆም።ምእሳር እቶም ሰባት ተደጋጊሙ ምስ ዝለዓል ክልል ናይ ምኳን ሕቶ ዝተተሓሓዘ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ጥርጣረ ከምዘለዎም’ውን ይዛረቡ።

ካብ ከተማ ወልቂጤ፣ ካልኦት ናይቲ ዞባ ከተማታትን ኣዲስ ኣበባን ሓዊሱ ብዙሓት ዝተኣሰሩ ምኳኖም ሽሞም ክግለፅ ዘይደለዩ ነበርቲ ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ ፓርቲ (ኢዜማ ) እውን ኣባላቱ ከምዝተኣሰርዎ ዝገለፀ ኾይኑ ኮምሽነር ኮምሽን ፖሊስ ክልል ደቡብ ኣለማየሁ ማሞ ግን ሕጊ ብምጥሓሶም ተጠርጢሮም’ምበር ብኣባልነት ፓርቲኦም ኣይተኣሰሩን ክብሉ ሓቢሮም።

ንሶም ወሲኾም 40 ሰባት ምእሳሮም ብምርግጋፅ መእሰሪ ምኽንያቶም ድማ ዕግርግር ዘለዓዓሉን ብዘይሕጋዊ ተግባራት ዝተጠርጠሩ ምኳኖም ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG