ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባ ዶቡብ ትግራይ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዝበፅሑ ዘራእቲ ጉድኣት የብፅሕ


ኣብ ዞባ ዶቡብ ትግራይ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዝበፅሑ ዘራእቲ ጉድኣት የብፅሕ ኣሎ::ብፍላይ ኣብ ወረዳ ራያ ጨርጨር እቲ ዕስለ ንምቁፅፃር ይኸብድ ከምዘሎ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ሓረስቶት ገሊፆም::

ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ግራት ሓረስቶት ንምድሓን እቲ ዕስለ ኣንበጣ ናብ ዝተርኣየሉ ዞባ ደቡብ ትግራይ ብፍላይ መናእሰይ ብበዝሒ ብምኻድ ይሕግዙ ኣለዉ::

ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብቲ ዕስለ ኣንበጣ ዝተርኣየሉ ከባቢ ብምኻድ ዝበጽሑ ኮይኖም: ነቲ ዕስለ ንምክልኻል ይግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ክሕይል ይግባእ ኢሎም: ፌደራል መንግስቲ ኣብ ስራሕ ምክልኻል እቲ ዕስለ የተዓናቕፍ ኣሎ ብምባል'ውን ከሲሶም::

ሚንስትር ሕርሻ ኢትዮጵያ ብወገኑ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዝተርኣየሎም ከባቢታት ንክልል ትግራይ ሓዊሱ ስራሕ ምክልኻል ንፍፅም ኣለና እምበር ኣየተዓናቐፍናን ኢሉ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


Recommended

XS
SM
MD
LG