ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ኣስታት 30 ሰባት ብዕጡቓት ህወሓት ምቕታሎም ነበርቲን ኣመሓደርትን ገሊጾም


መንግስቲ ኣሸባሪ ዝብሎን ንገዛእ ርእሱ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ እናበለ ዝፅውዕን ኣካል ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ከባቢ ወረባቦ ካብ 24 ነሓሰ ክሳብ መወዳእታ ነሓሰ ኣብ ዘሎ እዋን ወታሃደራዊ መጥቓዕቲ ምፍፃሙን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣስታት 30 ስቪላት ብዕጡቓት ህወሓት ከምዝተቐተሉን ኣብቲ ከባቢ ንዝተረኽቡ መራኸቢ ብዙሃን ዝገለፁ ነበርቲን ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢን ሓቢሮም።

ዝለዓለ ጉድኣትን ሞትን ኣተኣናጊዱ ዝተባህለ ጣቢያ 018 ነባሪት ምዃነን ዝገለፃ ጦይባ መሓመድ ነቲ ከባቢ ተቖፃፂሩ ዝነበረ ናይ ህወሓት ሓይሊ ንናይ 22 ዓመት ብዓል ቤተን ቀቲሎምዎ ኢለን።ካልኦት እውን ብተመሳሳሊ ኣባላት ስድርኦም ከምዝተቐተሉገሊፆም ኣለው።

ናይቲ ጣቢያ ኣመሓዳሪ ሰይድ መሓመድ ልዕሊ 14 ሰባት ከምዝተቐተሉን ዝቖሰሉን ተዓፊኖም ዝተወስዱን ከምዘለው ሓቢሮም።

ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ካሊድ መሓመድ እውን ኣሸባሪ ኢሎም ዝፀውዕዎ ኣካል ንናይቲ ወረዳ ሽዱሽተ ጣቢያታት ወሪሩ ክብሉ ኮኒኖም።

ብዛዕባ'ዚ ዝተውሃበ መልሲ እንተተዘይሃለወ 'ውን ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ቅድሚ ሎሚ ንዝቐረቡ ክስታት ብምንፃግ ተፈፂሙ ዝብሃል ገበን ብነፃ ኣካል ክፃረ ብቲዊተር ኣብ ዝዘርግሕዎ መልሲ ገሊፆም።ብሰንኪ ፀጥታ ናብቲ ከባቢ ዘይተጉዓዘን ኢንተርኔትን ስልኪ ስለዘየለ ተወሳኺ ሓበሬታ ክረክብ ዘይክኣለን ኣብቲ ከባቢ ንዝተረኸቡ ጋዜጠኛታት ዝተውሃበ ድምፂን እሙናት ካብ ዝኾኑ ምጭታትን ከምዝረኸበ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ መስፍን ኣራጌ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG