ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

38 ሚልዮን ህዝቢ ዞባ ሳሕልን ምዕራብ ኣፍሪቃን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ሕጽረት መግቢ ከምዘጋጥሞ ተሓቢሩ


ኣንጎላ
ኣንጎላ

ኣብ ዞባ ሳሕልን ምዕራብ ኣፍሪቃን ዝተካየደ ዳህሳስ ሕቡራት ሃገራት "ኣብ ዝመጽእ ዓመት 38 ሚልዮን ህዝቢ'ዚ ዞባ፣ ብከቢድ ሕጽረት መግቢ ከምዝሳቀዩ" ገሊጹ። ቅልጡፍን ለጋስን ሓገዝ እተዘይተረኺቡ፣ ብዙሓት ሰባት ክሞቱ ከምዝኽእሉ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቁ ኣሎ።

ሎምዘበን ተቃላዕቲ ህዝቢታት’ቲ ዞባ ንከቢድ ሕጽረት መግቢ ከምዝቃልዑ እቲ ሪፖርት ይሕብር። እዚ ይዝረበሉ ዘሎ ወቅቲ፣ ዝተዓቆረ እኽሊ ዝጽንቀቀሉ ጊዜ ስለዝኾነ ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ዝቅመስ መግቢ ክረኽቡ ኣይኽእሉን። ኣብ’ቲ ዞባ ተወካሊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኦሎ ሲብ ከምዚ ይብል፣ "መኽዘን ኣእካል ተጸንቂቆም፣ ንጥሪት ዝከውን መግቢ የለን። እዋን ዝናብ ብሕልፊ ንእንስሳ ዘቤት ቀዲሙ ክጅምር እዩ ዝብል ተስፋ ኣለና፣ እዚ ድማ ብሕልፊ ንማሕበረሰብ ሰበኽ ሳግም ጠቃሚ ክኸውን፣ ካልኦት ሰባት ድማ ብኡ ኣቢሎም ገለ ስትራተጂ ንክሕንጽጹ ዕድል ክፈጥረሎምን እዩ ይብል።

ሲብ ወሲኹ፣ ብዙሓት ሰባት፣ ስምብራት ጥምየት ከምዝራኣየሎምን ኣብ ክፉእ ጊዜ ክጥቀሙሉ ንዝኽእሉ ስትራተጂ ንምንዳፍ ከምዝተገደዱን ሓቢሩ። ንኣብነት ይብል ሲቤ፣ ዝቅመስ እኽሊ ንምዕዳግን ንምሽማትን ኢሎም ጥሪቶምን ንብረቶምን ምሻጥ ከምዝጀመሩ እቲ ሪፖርት ምጥቓሱ ይሕብር።

ሰበ ስልጣን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ወሲኾም ብሕልፊ ኣብ ዞባ ሳሕል፣ ማእቶትን ፍርያትን ካብ ዘነከዩ ጸገማት እቶም ክልተ፣ ውግእን ሕማቅ ኩነታት ኣየርን እዮም ይብል። ተወካሊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኦሎ ሲብ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ቀረባ ዓመታት፣ ዞባ ሳሕል ደሪቁ ከምዝነበረ፣ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተኸሰተ ድርቂ ድማ ንሚልዮናት ኣህዛብ ከምዝለከሞም ሓቢሩ።

ንሱ ወሲኹ ‘ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ዝተካየዱ ውግኣት፣ ሓረስቶት ንከይሓርሱ ከምዘዐንቀፎም፣ ማሕበረ ሰብ ሰበኽ ሳግም ብወገኖም መጋሃጫ ንጥሪቶም መታን ክረኽቡ ካብ ሓደ ስፍራ ናብ ካልእ ስፍራ ንከይንቀሳቀሱ ከምዝዓገቶም ጠቂሱ: ንሱ ብሳተላይት ዝተሳኣሉ ፎቶግራፋት "35 ሚእታዊት ገጠራት፣ ብሰንኪ ውግእ፣ ከቢድ ጥፍኣት ዘራእቲ ከምዝወረዶ" የርኢ ይብል።

"ብዝሒ ተፈናቀልቲ ካብ 5 ክሳብ 7 ሚልዮን ህዝቢ ይኸውን። ብዛዕባ ኣብ’ተን ዞባታት ዝተፈናቀሉ ኣስታት 13 ሚልዮን ህዝቢ፣ ብፍላይ ሓረስቶት መብዛሕተኦም ሰበኽ ሳግም ኢና ንዘራረብ ዘለና እዞም ግጭታት፣ ንዓቅሚን ተኽእሎን ኣገባብን ፍርያምነትን እዮም ዘዳኽኽሙ ዘለው። "

ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፣ ከቢድ ቅልውላውን ጥፍኣትን ቅድሚ ምግጣሙ፣ ህጹጽ ግብረ መልሲ ኣገዳሲ እዩ ይብል። ናብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ 'ቅድሚ ጽንኩር ወቅቲ ምምጽኡ፣ ለገስቲ ሃገራትን ትካላትን ዝካኣሎም ደገፍ ንከሐይኡ" ጸዊዑ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ መግለጺኡ "ቀጻሊ እዋን ክረምቲ ቅድሚ ምምጽኡ፣ ዝአክል ወፍሪ ኣብ ሕርሻ ክካየድ፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ድማ፣ ጉድለት ኣመጋግባ ንከይጋደድ፣ ረድኤት መግቢ ንክባጻሕ' ጸዊዑ ኣሎ ።

XS
SM
MD
LG