ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባ ሱል ሶማል ኣብ መንጎ ዓሌታት ብዝተፈጥረ ግጭት 60 ሰባት ሞይቶም


ከተማ ሞቃዲሾ
ከተማ ሞቃዲሾ

ኣብ ሰሜናዊ ሶማል ዞባ ሱል ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ብዝተፈጥረ ግጭት ብውሑዱ 60 ሰባት ሞይቶም ካልኦት ልዕሊ 90 ድማ ከምዝቖሰሉ ነበርትን ሰበስልጣንን ገሊፆም።

ኣብ መንጎ ካብ ሓደ ነገድ ዝወፁ ክልተ ዓሌታት ብሰንኪ ምስሕሓብ መሬትን ሕነ ምፍድዳይን ትማሊ ሶኑይ ውግእ ከምዝጀመሩ እቲ ዜና ይሕብር።

ኣማሓዳሪ ዞባ ሱል ዓብዲራሺድ ሑሴን ዓረብ እቲ ውግእ ዝተልዓለ ብሰንኪ ነዊሕ ዝፀንሐ ዋናነትን መግሃጫን መሬት እዩ ኢሎም።

እቶም ኣማሓዳሪ ናይቲ ከባቢ ሽማግለ ዓድታትን ሰበስልጣንን ብዙሕ ናይ ምትዕራቕ ፃዕርታት እንተገበሩ እውን እቲ ተፃብኦ ከብቅዕ ኣይክኣለን ኢሎም ።መንግስቲ ሶማል እቲ ውግእ ደው ኣቢሎም ልዝብ ሰላም ክጅምሩ ንኽልቲኦም ወገናት ምሕፅንታ ኣቕሪቡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG