ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 41 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ዜጋታት ብዝፈፀምዎ መጥቓዕቲ 41 ሰባት ክቕተሉ ከለው ካልኦት 20 ሰባት ድማ ምቑሳሎም ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ምብራቕ ሃረርጌ ምስኪ መሓመድ ገሊፀን።

“ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት እዮም መጥቓዕቲ ፈፂሞም።ጉዳይ ዶብ ዘይኮነ ምስፍሕፋሕ መሬት እዩ።ምኽንያቱ እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ከባቢ ዶብ ኣይኮነን ዝተቐትሉ።ኣብ መረበቶም፣ኣብ ገዛውቶም፣ኣብ ከባቢኦም ህይወቶም ዝስኣኑ ንፁሃን ዜጋታት እዮም።”

ብዛዕባ እዚ መብርሂ ዝሃቡ ኣብ ሚንስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዳይረክቶሬት ዳይረክተር ኢንዶክትሪኔሽን እዚ ደቡብ ምብራቕ ኮሎኔል ተኽላይ ገብረእግዛብሄር ግጭት ከምዝነበረ ብምግላፅ ካብ ክልቲኦም ወገናት ጥርዓን ከምዝቐርብ ገሊፆም።

ካብ ክልል ሶማሌ ዝመፀና ክሲ ቶኽሲ ምስተጀመረ ሓይልታት ምክልኻል ኣይበፅሑልናን፣ኣብ ሩጌ ቶኽሲ ምስዝተጀመረ ንኦሮሚያ ዝበፅሐሎም ስለምንታይ ብዕጡቓት ኦሮሚያ ኣብ ማዩ ወረዳ ዓደይን ክንቕተል ከለና ዘይበፅሑልና ዝብል ክሲ ኣሎ።ኦሮሚያ እውን ምክልኻል ኣለው እናበልና ዜጋታትና ተቐቲሎምና ዝብል ኣሎ።ስለዚ ክልቲኦም እዮም ዝኸሱና ዘለው።ካብ ሓደ ወገን ጥራሕ ኣይኮነን ክብሉ ኮሎኔል ተኽላይ አረዲኦም።

ኣብ ክልል ሶማሌ ወሪዱ ዝተባህለ ጉዳኣት ንምፅራይ ዝገበርናዮ ፈተና ኣይተዓወተን ክብል ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ አዳማ ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG