ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባታት ዋግህምራን ሰሜን ጎንደርን ለበዳ ውፃእትን ተምላስን ከምዝተልዓለ ተገሊጹ


ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባታት ዋግህምራን ሰሜን ጎንደርን ለበዳ ውፃእትን ተምላስን ከምዝተልዓለ ናይ ኢትዮጵያ ኢንስቲቱት ጥዕና ሕብረተሰብ ኣፍሊጡ።እቲ ትካል ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃቦ መግለፂ ለበዳ ኣብ ዝተለዓለሉ ከባቢ ሕክምና ምሃብ ከምዝጀመረን ናይቲ ሕማም መመሓላለፊ ምኽንያታት እዮም ዝተብሃሉ ክልተ ከባቢታት ናይ ምክልኻል ስራሓት ይስራሕ ከምዘሎን ገሊፁ።

በቲ ለበዳ ተታሒዞም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝተበሃሉ 174 ሰባት ከምዝተፈለዩ ኣብቲ ኢንስቲቱዩት ምኽትል ዳይረክተርን ኣተሓባብሪ ምክልኻል ሓደጋታት ጥዕናን ዶ/ር በየነ ሞገስ ገሊፆም ።

XS
SM
MD
LG