ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባታት ቀሌም ወለጋን ምዕራብ ወለጋን ዝቐነየ ውጥረት ናብ ሰላማዊ ኩነታት ምምላሱ ነበርቲ ይገልጹ


ኣብዚ ሰሙን ኣብ ምዕራባዊ ክልል ኦሮሚያ ብፍላይ ዞባታት ቀሌም ወለጋን ምዕራብ ወለጋን ዕጥቒ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ብሓይሊ ንምፍታሕ መንግስቲ ይገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ብዝምልከት ዝተላዕለ ተቓውሞ ሎሚ ናብ ሰላማዊ ኩነታት ምምላሱ ነበርቲ ገሊፆም።

ቶኽሲ፣ምዕፃው መንገድን ምድራት ምንቅስቓስን ዝረአየሉ ዝጸንሓ ናይ ቀሌም ወለጋ ከተማ ደምቢደሎ ሎሚ ሰላም ምዃኑ ነበርቲ ገሊፆም ኣለው።ምንቅስቓስ መኪናን ከምዘሎን ኣብያተ ንግዲ እውን ከምዝተኸፈቱን ነበርቲ ወሲኾም ገሊፆም።

ኣማሓዳሪ ቀሌም ወለጋ ኣቶ ታመነ ሃይሉ ብወገኖም ናብ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንክጉዓዙ ምድላዎም ዛዚሞም መውፅኢ ስኢኖም ዝጸንሑ ተማሃሮ ሎሚ ብሰላም ከምዝተፋነው ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG