ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሱዳን ናይ ተቓውሞ ሰልፊታት ምክያዶም ተገሊጹ


ብዓስርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሱዳናዊያን ሎሚ ሶሉስ ብሰንኪ ቫይረስኮሮና ንዝተነብረ እገዳታት ንምንቅስቃስ ብምጥሓስ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምክያዶም ተገሊጹ። ሰልፈኛታት ድሕሪ ምውዳቕ ናይ ነዊሕ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ዑመር ኣልበሽር ዝሓሸ ሲቪላዊ ምምሕዳርን ዲሞክራሲን ክትገብር ዝጠልቡ ምኳኖም ተፈሊጡ’ሎ።

መንግስቲ ናብ ዋና ከተማ ካርቱም ዘእትው ጎደናታትን ድልድያትን እንተዓጸወ’ዃ: ሰልፈኛታት ኣብ ካርቱምን ኡምዱርማን ከሰላን ዳርፉን ድምጾም ኣስሚዖም ኣለው ። ሰልፈኛታት ነቲ ኣንጻር ፕረ.ዑመር ኣልበሽር ዝካየድ ዝነበረ ተቓውሞታት ዝስምዑ ዝነበሩ ‘ናጽነት: ሰላምን ፍትሒን’ ዝብሉ ጭርሖታት ምስምዖም ተፈሊጡ’ሎ ።

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሱዳን ናይ ተቓውሞ ሰልፊታት ምክያዶም ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:15 0:00

ገለ ሰልፈኛታት’ውን ጎማታት ብምቅጻል መንገዲታት ምዕጻዎም ተሓቢሩ’ሎ ።

ቀንዲ ተቓዋሚ ውድብ’ታ ሃገር ክሳብ ምርጫ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ነቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምሕባር እንተተሰማመዐ መሰረታዊ ነጥብታት’ቲ ስምምዕ ዝኾኑ ምምስራት ፓርላማን ምምዛዝ ሲቪል ኣመሓደርቲ ግዝኣታት ዝብሉ ነጥብታት ከምዘይተተግበሩ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

XS
SM
MD
LG