ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሱዳን ተቓውሞ ምክያዱ ተገሊጹ


ኣብ ዋና ከተማ ሱዳን ካርቱም ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት’ታ ሃገር ተቓውሞ ምክያዱ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ምግላጾም ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። እዚ ናይ ሎሚ ሓሙስ ተቓውሞ ዝዓበየ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ሮይተርስ ዘዘራረቦም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣብ ቡሪን ኣልዴምን ዝተባህለ ከባቢታት ካርቱም ሓይልታት ጸጥታ ነቲ ተቓውሞ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትዃሶም ገሊጾም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማታት ኡምዱርማ: ገዳርፍን ፖርት ሱዳንን ሎሚ ሓሙስ ተቓውሞታት ምክያዶም ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብታ ሃገር ብዘጋጠም ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ብምቅዋም ታሕሳስ 19,2018 ዝጀመረ ተቓውሞታት ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ መዝነቶም ክወርዱ ብምጥላብ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ቐጺሉ’ሎ።

ማሕበር ሰብሞያ ሱዳናዊያን ዝተባህለ ተቓዋሚ ጉጅለ ንሎሚ ሓሙስ ሰልፊ ምጽውዑ ይግለጽ'ሎ።

XS
SM
MD
LG