ኣብ ዝተፈላለያ ኣህጉራት ዝነብሩ ተጋሩን ደገፍቶምን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ሰልፊ አካይዶም::
ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓለም ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይን ደገፍቶምን፣ ሎሚ ረቡዕ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ሒዞም ድምጺ ተቃውሞ ከምዘቃልዑ ተገሊጹ። ናይ ሎሚ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ኣብ ኤምባሲ ቱርኪን ቤት ጽሕፈት ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ዘለዎም ልዕሊ 15 ከተማታት ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ አውሮጳ፣ እስራኤልን ኣውስትራልያን እዩ ተካይዱ ።
ዕላማ’ቲ ሰልፊ "መንግስቲ ቱርኪ ንኢትዮጵያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ከይሸይጥ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ብዘይ ዕንቅፋት ክበጽሕ ከምኡ'ውን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ካብ ክልል ትግራይ ንክውጹ፣ ኣገልግሎታት ባንኪ፣ ቴለፎን፣ ኤለክትሪክ፣ ማይ፣ ሕክምና ንክጅምርን ኣብ ክልል ትግራይ ንዝተፈጸመ ግፍዒ ብዓለምለኸ ነጻ መጻረዪ ኣካል ንክምርመርን፣ ኣብ ልዝብ ዝተመርኮሰ ምቁራጽ ተኹሲ ንክትግበርን ንምሕታት" ከምዝኾነ እቶም ተቃወምቲ ዘዳለውዎ በራሪ ጽሑፍ የርድእ።
"መንግስቲ ቱርኪ ኣባል ሃገራት ኔቶ (ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ) ኣብ ሕጉ ዓንቀጽ 2 ኩለን ኣባል ሃገራት፣ ብደረጃ ዓለም፣ ሰላማዊን ምሕዝነታዊ ርክብን ንክፍጠር ይሰርሓ ንዝብል መትከል ብምጥሓስ ንኢትዮጵያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ንክሸጠላ ተዋዓዒሉ ኣሎ" ይብሉ።
ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ ኤምባሲ ቱርክ ግብረ መልሲ ንክህበሉ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን።
ብተመሳሳሊ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ካብ’ቶም ተሰለፍቲ ንዝተቃልሑ ክስታትን ነቀፋታትን ግብረ መልሲ ንክህበሉ ፈቲና ኣይሰለጠን። እንተረኺብና ክነቅር ምኻኑ ንገልጽ።
ብደረጃ ዓለም ሎሚ ዝዋዓለ ሰፊሕ ሰልፊ ተጋሩ ዝምልከት ሪፖርት ድሕሪ ጽባሕ ዓርቢ ክቀርብ ምኻኑ ክንገልጸልኩም ንፈቱ።