ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ሲዳማ ንቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዝድግፉ ሰልፊታት ተኻይዶም


ተሳተፍቲ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ክልል ሲዳማ ከተማ ሃዋሳ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን መንግስቶምን ንድግፍ ዘለና ኣብናቶም ናይ ስልጣን ዘመን ለውጢ ብምርኣይናን ንድልየት ህዝቢ ዘኽብርን ምምሕዳራዊ ስርዓት ይሃንጹ ብምህላዎም እዩ ኢሎም ።

ኣብ መጠቓለሊ ናይቲ ሰልፊ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣብ ዝርከብ ስታዲዮም መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ክልል ሲዳማ ደስታ ሌዳሞ እቲ ለውጢ ሓቀኛ ስርዓት ፌደራሊዝም ግብራዊ ዝኾነሉ ብምዃኑ ህዝቢ ሲዳማ ናይ ባዕሉ ዕድል ብባዕሉ ክውስን ምፍቃዱ መርኣያ እዩ ኢሎም።

ተመሳሰልቲ ሰልፍታት ኣብ ክልል ደቡብ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ሆሳእና፣ኣርባምንጭን ካልኦት ተኻይዱ ኣሎ።ኣብቲ ሰልፊ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ሃገሮም ካብ ሓደጋ ምብትታን ዘድሓኑ ድንቂ መራሒ ስለዝኾነ ነመስግን ዝብል ጭርሖታት ምስምዖም ተሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG