ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ጸገም ምንቅስቓስ መጉዓዝያ ከምዘጋጠመ ተገሊጹ


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ምንስቅስቓስ መጎዓዚያ ብዘጋጠመ ፀገም ከምዝተሸገሩ ነጋዶን ዘወርቲ መካይንን ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ኣብቲ ምንቅስቓስ ዝተሳተፉ ሰባት ከምዝገለፁዎ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ይርአ ንዘሎ ፖለቲካዊ ሽግር መፍትሒ ክህብ ንምሕታት እዩ ይብሉ።ኣብ ባሌ ከተማ ሮቤ መኪና ካብታ ከተማ ምውፃእን ናብታ ከተማ ምእታውን ከምዘይኽላ ዝገለፀ ተሳታፊ: መንግስቲ ፖለቲካዊ መራሕቲ ኦሮሞ ዝበሎም እኒ ጀዋር መሓመድ፣ በቀለ ገርባን ካልኦትን ክፍትሑ ኢና ሓቲትና ዘለና ኢሉ።ካብን ናብን ከተማ ሻሸመኔ እውን መካይንእናተዓጀባ ከምዝንቀሳቐሳን ኣብ ከተማ ኣወዳይ እውን ምንቅስቓስ ንግዲ ከም ወትሩከምዘይኮነ ተፈሊጡ ኣሎ።

ናይ ጅቡቲ መንገዲ ዝኾነ ኣዳማን ሃረርን ኣብ መንገዲ ብዘጋጠመ ፀገም ምንቅስቓስ ከምዘይከኣሉ ተገልገልቲ ሓቢሮም።

ኣብዝተፈላለዩ ከባቢታት ናይ መካይን ምግልባጥ፣ ምስብባርን ምንፋስ ጎማን ከምዘጋጠመ ተፈሊጡ ኣሎ።ጉድኣት ዝወረዶም ዘወርቲ መካይን እውን ከምዘለው ተሓቢሩ።

ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ግን ዝተፈጠረ ሽግር የለን፤ኣብ ኩሉ ከባቢ ክልል ኦሮሚያ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ኣሎ ኢሉ ።ወሃቢ ቃል መንግስቲ ናይቲ ክልል ኣቶ ጌታቸው ባልቻ ንድምጺኣሜሪካ ከምዝገለፁዎ ሓደ ሓደ ፀረ ሰላም ዝበሉዎም ሓይልታት ኣብቲ ክልል ዕግርግር ንምፍጣር ፃዕሪ እንተገበሩ እውን ሎሚ እውን ኣይተዓወቱን ኢሎም።

‘’ምንቅስቓስ ዕዳጋ ንምኽልካል ንሰለተ ግዜ ፈቲኖም ኣይተዓወቱን ንራብዓይ ግዜ ሎሚ ፈቲኖም እቲ ህዝቢ ስለዝኣበዮም ስሩዕ ምንቅስቓስ ቀፂሉ ኣሎ፤ኣብቲ ክልል ዝኾነ ይኹን ዝተኸልከለ መጎዓዝያ የለን ኢሎም።ካብ ዞባ ክሳብ ጣቢያ ስሩዕ ምንቅንስቓስ እዩ ዘሎ ዝተፈለየ ሓበሬታ የብልናን’’ ኢሎም።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተዓፀው ናይ መጎዓዚያ ኣድማ ናይ ሶማሌ ክልልን ናይ ጎረቤት ሃገራት ዘራኽብን መንገዲ ተመሳሳሊ ፀገም የጋጥም ምህላው ተገሊፁ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG