ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣፍደገ ዓበይቲ መስጊዳት ከተማ ካርቱም ተቓውሞ ምክያዱ ተገሊጹ


ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ኣፍደገ ዓበይቲ መስጊዳት ከተማ ካርቱም ሎሚ ዓርቢ ብምትእኽካብ ጸረ መንግስቲ ጭርሖታት ብምስማዕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘካየዱ ዜጋታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትዃሶም ተፈሊጡ።

ኣብቲ ኣፍደገ ኣል ሰይድ ዓብድልራህማን ኣል ማህዲ ዝተባህለ ኣብ ኡምዱርማን ዝርከብ መስጊድ ዝተኻየደ ሰልፊ ምስ ተቓዋሚ ፓርቲ ኡማ ፓርቲ ብዘለዎ ምትእስሳር ዝዓበየ ከምዝነበረን እዚ ቦታ ካብ ታህሳስ 19,2018 ጀሚሩ መዓልታዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ካብ ዝረአየሎም ቦታታት ሓደ ምዃኑ ተገሊጹ።

ሰልፈኛታት እቲ እንኮ ሕቶኦም ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ መዝነቶም ክወርዱ ጥራይ ምዃኑ ንምግላጽ “እቲ ሰውራ ምርጫ ህዝቢ’ዩ”፡ “ውድቐት ጥራይ” ዝብሉ ጭርሖታት ምስማዖም ተገሊጹ።

እቲ ኣብታ ሃገር ንዘጋጠመ ናህሪ ዋጋታት ንምቕዋም ዝጀመረ ተቓውሞታት ፕረዚደንት ኣል በሽር ካብ መዝነቶም ክወርዱ ብምጥላብ ኣብ ኣስታት 30 ዓመታት ስልጣኖም ዝገጠሞም ዓብይ ብድሆ ኮይኑ’ሎ።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተቓውሞ ካብ ዝጅምር ክሳብ ሕጂ ኣስታት 60 ሰባት ምሟቶም ክገልጹ ከለው ሰበ ስልጣን ግን ብዝሒ ዝሞቱ ሰለስተ አባላት ጸጥታ ሓዊሱ 32 ምዃኑ ይገልጹ።

ሓይልታት ጸጥታ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ጠያይትን ከምዝተኾሱ ከምኡ’ውን አባላት ተቓወምቲ ወድባት፡ ኣክቲቪስትን ጋዜጠኛታት ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ምእሳሮም ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ኣል በሽር ምስ ኣብ ዳርፉር ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት ብዝተሓሓዝ ብዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ዝድለዩ ኽኾኑ ከለው ንሶም ግን ነዚ ክስታት ይነጽግዎ። ብተወሳኺ ሱዳን ኣብ ዝርዝር ግብረ ሽበራ ካብ ዝድግፉ ሃገራት ሓንቲ ብምዃና ወፍሪን ፋይናንሳዊ ሓገዝ ናብታ ሃገር ከይኣትው ብምዕንቃፉ ፕረዚደንት ኣልበሽር ሃገሮም ካብዚ ዝርዝር ሃገራት ንምውጻእ ክጽዕሩ ጸኒሖም’ዮም።

XS
SM
MD
LG