ኣዲስ ኣበባ —
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ከባብታት ብዝተላዕለ ግጭት ልዕሊ 2,700 ትካላት ጥዕና ከም ዝዓነዉ ሚንስትሪ ጥዕና`ታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ብመሰረት ክሳብ ሕጂ ብዘሎ መረዳእታ ኣብ ክልል ኣምሓራ 41 ሆስፒታላት ኣብ ክልል ዓፋር ድማ ሓደ ሆስፒታል ዓንዩ ዝበለት ሚንስተር ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ፡ ልዕሊ 400 መደበራት ጥዕና`ውን ምዕናወን ገሊጻ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ብዝተገብረ ዳግመ-ህንጸት ፡11 ሆስፒታላት ናይ ህጹጽን መሰረታውን ሕክምና ኣገልግሎት ክህባ ከምዝጀመራ`ውን ሓቢራ`ላ።
ብሰንኪ`ቲ ኩናት ጾታዊ በደል ዝተፈጸመን ኣዋልድን ኣዴታትን ድማ ኣብተን ሆስፒታላት ኣብ ዝተዳለወ ማእከላት ሓገዝ ክረኽባ ምጅማረን ዶ/ር ሊያ ታደሰ ጠቒሳ`ላ።