ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝተፈላለየ ግዝኣታት ኣሜሪካን ካናዳን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝድግፍ ሰልፊታት ተኻይዱ


ኣብ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዝተመርኮዘ ንልኡላውነት ኢትዮጵያ ዝፃረር ተጽዕኖታት ደው ይበል ዝብሉ መልእኽቲ ዝተሓንገጡ ካብ ኒውዮርክን ጎረባብቲ ክፍለ ግዝኣታትን ከምኡ እውን ዋሽንግተን ዲስን ከባቢኡን ዝተጉዓዙ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ክፍለ ግዝኣታት ኣሜሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያንን ኢትዮጵያዊያን ኣሜሪካዊያንንትማሊ ኣብ ኒውዮርክ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ነይሮም።

እቶም ሰልፈኛታት ንዝሓለፈ 27 ዓመታት ኣበይ ነይርኩም፣ኢትዮጵያዊያን ክቕተሉን ክዝረፉን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ክግፍዑን ክስደዱን ኣበይ ነይርኩም ዝብልን ካልኦትን ጭርሖታት ብምሓዝ ድምፆም ኣስሚዖም።

ኣብቲ ከተማ ኒውዮርክ ዝርከቡ ኣብያተ ዕዮ ሕቡራት ሃገራትንን ኒውዮርክ ታይምስን ወሲኹ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ከተማ ሰልፊ ምክያዶም ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG