ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ክልል ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊታት ተኻይዱ


ኣብ ዞባታት ደቡብ፣ ማእኸልን ምዕራብን ትግራይ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ትማሊ ሰንበት ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻይዶም።

ኣብ ቀረባ እዋን ብምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝተወሃበ መግለፂ ንድግፍ ኢና፣ ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ደው ይበል፣ ሕገ መንግስቲ ይከበር ዝብሉ ጭርሖታት ዝተሰምዕሉ ነይሩ።

ኣብ ዞባታት ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ኣብ ዝነበረ ሰልፊ ብሽም መንነት ዝቐረብ ሕቶ ንዓና ኣይውክልን ዝብል ጭርሖ እውን ቀሪቡ እዩ።

ኣብ ከተማ አላማጣ እቲ ሰልፊ ቅድሚ ምክያዱ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ኣብ ስለስተ ቦታታት ነታጊ ከምዝተደርብየ እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ሰብ ኮነ ንብረት ዘብፀሖ ጉድኣት ከምዘየለ ተጠርጠርቲ እውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምውዓሎም ምምሕዳር’ታ ከተማ ኣፍሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ክልል ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊታት ተኻይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:31 0:00

XS
SM
MD
LG