ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ብዝተላዕለ ተቓውሞ 16 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ


 ኣብ መንበሪ ገዛ ጀውሃር መሃመድ ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ
ኣብ መንበሪ ገዛ ጀውሃር መሃመድ ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደገፍቲ ኣክቲቪት ጀዋር መሃመድ ትማሊ ኣብ ሓያለ ከተማታት ኦሮምያ ዝጀመርዎ ተቓውሞ ሎሚ’ውን ቀጺሉ ናይ ብሄርን ሃይማኖትን መልክዕ ከምዝሓዘ ተሓቢሩ። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኦሮምያ ብውሑዱ 16 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

ጀዋር መሃመድ ሓዊሱ መራሕቲ ውድባት ፖለቲካን መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን እቲ ጎንጺ ደው ክብል መጸዋዕታ ድሕሪ ምቅራቦም እቲ ኩነታት ምህድኡ፡መንገድታት’ውን ይኽፈት ምህላው ተገሊጹ’ሎ። እቲ ተቓውሞ ትማሊ ዝተላዕለ ኣብ አዲስ አበባ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ጀውሃር መሃመድ ብሓይልታት ፈደራል ተኸቢቡ ዝብል ወረ ምስ ተሰምዑ’ዩ።

ቕድም ክብል ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብታ ሃገር ግጭት ዘለዓዕሉ ኣብ ልዕሊ ዝበልዎም መሓውራት ዜና መጠንቐቕታ ምሃቦም ይዝከር።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ አርሲ ዶዶላ ኣብ ዝተባህለ ከተማ ኣብ እዋን ተቓውሞ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም ልዕሊ 40 ድማ ቆሲሎም። ቁጽሮም ዘይተፈልጠ አባይቲ ብሓዊ ከምዝነደዱ ነበርቲን ፖሊስ’ታ ከተማ ገሊጾም።

ሓደ ሃብታሙ’ዩ ስመይ ዝበለ ነባሪ’ታ ከተማ ትማሊ ዝጀመረ አባይቲ ናይ ምንዳድ ተግባር ሎሚ’ውን ከምዝቀጸለ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

“ሆ እንበሉ መጺኦም አባይቲ ምንዳድ ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ’ውን ቀጺሉ’ሎ፡ቤተ ክርስትያን’ውን ኣንዲዶም፡ይነድድ’ውን ኣሎ”።

ነዚ ዝፈጸሙ ቄሮ’ዮም ክብሉ እቶም ነባሪ ይዛረቡ። ናይታ ከተማ ሓላፊ ስራሕ ጸጥታ ሳጅን ሃጂ ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝበልዎ ግን’ቲ ጎንጺ ዝተፈጥረ መንእሰያት ኦሮሞ ንኣክቲቪስት ጀዋር መሃመድ ደገፍ ድሕሪ ምግላጾም ብዘይተፈልጠ ኩነታት ኣብ መንጎ መንእሰያት ኦሮሞን ኣምሓራን ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ምኳኑ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG