ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኦሮምያ ምስ ዘሎ ሓይሊ ንገብሮ ኹናት አማራጺ ብምስኣና ሕጊ ንኸነኽብር ተገዲድና ዝአተናዮ’ዩ' ጀነራል ብርሃኑ ጁላ


ፋይል

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኦሮምያ ምስ ዘሎ ሓይሊ ንገብሮ ኹናት አማራጺ ብምስኣና ሕጊ ንኸነኽብር ተገዲድና ዝአተናዮ’ዩ ክብሉ ምኽትል ሓላፊ ስታፍ ሰራዊት ምክልካል ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ተዛሪቦም።

ጀነራል ብርሃኑ ምስ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ መንግስቲ ድልው’ዩ ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም መንግስቲ ነቲ ጸገም ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሖ’ዩ ብዝብል ኣርባዕተ ወርሒ ምሉእ ስቕ ኢሉ ክዕገስ ከሎ ንሳቶም ግን ተወዲቦም ነቲ ከባቢ ተቆጻጺሮም ኔሮም ኢሎም።

"ደሓር ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ይሰራሕ ተባሂሉ፡ እቲ ስራሕ ምስተተግበረ ሎሚ ወለጋ ናጻ ወጺኡ’ሎ። ናብ ንቡር ተመሊሱ’ሎ። ሕጂ ዘሎ ጸገም ፍርቂ ኢዱ ሂቡ’ዩ ፍርቂ ተማሪኹ’ዩ። ፍርቂ’ውን ኣብ ኹናት ዘጋጥም ሞት አጋጢምዎ’ዩ። ብኹናት ደረጃ ምንቅስቃስ ግን የለን።”

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG