ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ 12 ነጥብታት ዝሓዘ ውሳነ ምሕላፉ ተሓቢሩ


ከተማ መቐለ - ፋይል
ከተማ መቐለ - ፋይል

ብመሰረት ቴለቭዥን ትግራይ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ክልል ትግራይ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጀንዳታት ዘትዩ 12 ነጥቢታት ዝሓዘ ውሳነ ኣሕሊፉ ኢላ።

እቲ ብማእከላይ መንግስቲ ካብ መዝነቱ ዝተኣልየ ግን ከኣ ንኽልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ቤት-ምኽሪ፡ ካብቲ በጺሑዎ ዝነበረ ወተሃደራዊ ገስጋስ ምምላስ ግቡእ ከም ዝዀነ ድሕሪ ምግላጽ፡ “ናይ ሰላም ዕድል ጸንቂቅካ ንምጥቃም፣ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣበርቲዑ ንኽሰርሕ ወሲኑ፡” ይብል።

"ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ልዝብ ሰላም ክመጽእ እንተዘይኪኢሉ ግን፣ ዝተጀመረ መኸተ ኣሓይሉ ንክቅጽለሉ" እቲ ቤት ምኽሪ ወሲኑ ኣሎ ዝብለት ተለቪዥን ክልል ትግራይ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ድሮን ማለት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ደደቢት፣ ኮረም፣ ኣላማጣ፣ ዓዴት፣ መቀለ፣ ኣብዓላ ሽኸትን ደብዳብ ከምዝተፈጸመን፣ ህዝቢ ከምዝሞተን ገሊጻ`ላ። ብምኽንያት’ቲ ደብዳብ ሂወቶም ንዝሳኣኑ ወገናት ንምዝካር፣ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዘን ከምዝተአወጀ`ውን እቲ ብቴለቪዥን ትግራይ ዝሓለፈ መልእኽቲ ጠቒሱ`ሎ።

XS
SM
MD
LG