ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ባርዕ ተላዒሉ


ቤት ማእሰርቲ መቐለ
ቤት ማእሰርቲ መቐለ

ኣብ ቤት ህንፀት መቐለ ሎሚ ካብ ሰዓት 8 ጀሚሩ ባርዕ ሓዊ ተላዒሉ፡፡ እቲ ባርዕ ሓዊ መልዓልኡን ዘስዓቦ ጉድኣትን ኣካያዲ ስራሕ ቤት ህንጸት ከተማ መቐለ ኮማንደር ይትባረኽ ኣለነ ከምዚ ክብሉ የረድኡ።

ብቅድሚ ትማሊ ብፌደራል ዓቃበ ሕጊ ዝተወሃበ መግለፂ ብተአረምቲ ተቋውሞ ገጢምዎ ነይሩ፡፡ ምኽንያቱ ቅድም ኢሉ ብሚድያታት ብፍላይ ድማ ብተሌቭዥን ኢትዮጵያ ዝወሃቡ ዝነበሩ ሓሳባት ምሕረት ኣመልኪቱ ተስፋ ገይሮም ፀኒሖም፡፡ ብቅድሚ ትማሊ ብፌደራል ዓቃበ ሕጊ ዝተውሃበ መብርሂ ምሕረት ዘይምልከቶም ምዃኑ ምስ ፈለጡ ተስፋ ቆሪፆም ዝጀመርዎ እዩ፡፡ እቲ ባርዕ ኣብ ሓደ መደቀሲ ተአረምቲ ፍርናሽ ዝጀመረ ናብ መሳርሒ ማእለማን ናብ ክልተ ብሎክ መደቀሲኦምን ተጋፊሑ ድሕሪ ምባል ኮማንደር ይትባረኽ በዚ ባርዕ ሓዊ ኣሳቢቦም ንምህዳም ኣብ ዝፈተኑ ተአረምቲ ጉድኣት በፂሑ ኢሎም።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት'ታ ሃገር ኣብ ዝርከባ አባይቲ ማእሰርቲ ዘይምርግጋእን ባርዕ ሓዊ ምልዓሉን ይግለጽ ኣሎ።

ትማሊ ኣብ ከተማ ደብረማርቆስ፡ከተማ ፍኖተ ሰላምን ከተማ ወልድያን ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ማእሰርቲ ብዝተላዕለ ዘይምርግጋእን ባርዕ ሓዊን ምኽንያት ድሕሪ አዋጅ ምሕረት መንግስቲ ንእሱራት ዝወሃቡ ዘለው ትርጉማት ዝተዛብዓ ብምዃኑ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልል ኣምሃራ አቶ ንጉሱ ጥላሁን ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ባርዕ ሓዊ ተላዒሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:15 0:00

XS
SM
MD
LG