ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብውሑዱ ኣስታት 1,900 ህጻናት ትግራይ ብጥሜት ሞይቶም” ኣሶሸይትድ ፕረስ


ከተማ መቐለ ክልል ትግራይ -ፋይል
ከተማ መቐለ ክልል ትግራይ -ፋይል

ንሰብ መዚ ጥዕና ክልል ትግራይ ብምጥቃስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብውሑዱ ኣስታት 1,900 ህጻናት ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ጥሜት ከም ዝሞቱ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ጸብጺቡ። እቲ ዜና ከም ዝጠቕሶ እቲ ቍጽሪ ካብ ወርሒ ሰነ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክሳብ ፈለማ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ሚያዝያ ምዃኑ’ዩ። እቲ ዝተጠቕሰ ብዝሒ ሞት ኣብ ማእከላት ሕክምና ዝተመዝገበ ምዃኑ ድማ ተመልኪቱ ኣሎ።

ሓደ ካብቶም ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ሓካይም ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ከም ዝሓበሮ ድማ፡ ብሰንኪ ስእነት መጓዓዝያን ካልእ መሳለጥያታትን ደቆም ናብ ማእከላት ሕክምና ከምጽኡ ዘይክእሉ ወለዲ ብዙሓት ክዀኑ ስለ ዝኽእሉ እቲ ሓቀኛ ኣሃዝ ካብቲ ዝተጠቕሰ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ይሕብር።

እቲ ጸብጻብ ምዕራብ ትግራይ ኣብቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዘይተጠቓለለ'ውን ሓቢሩ'ዩ።

XS
SM
MD
LG