ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት ዝተወልዐ ህውከት ኣብታ ሃገር ኩናት ሕድሕድ ንምጽሕታር ዝተፈተነ ከምዝነበረ እንተኾነ ግን ከምዝበርዓነ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ


ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት ዝተወልዐ ህውከት ኣብታ ሃገር ኩናት ሕድሕድ ንምጽሕታር ዝተፈተነ ከምዝነበረ እንተኾነ ግን ከምዝበርዓነ ኣፍሊጡ።

ቀ/ሚ ኣቢይ ምስ ላዕለዎት ወተሃደራውን ሲቪላውን ሰበ-ስልጣን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፥ ምስጋና ንሓይልታት ጸጥታ እቶም ነቲ ህውከት ዘለዓዓሉ ተታሒዞም`ዮም ኢሉ።ብመሰረት ሓበሬታ መንግስቲ በቲ ድሕሪ ቅንጸላ ህቡብ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንደሳ ዝተወልዐ ህውከት 87 ሰባት ክሞቱ ከለዉ-ኣርባዕተ ካብኦም ኣባላት ፖሊስ`ዮም ።

ብኻልእ ወገን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ውሳነታት ከሕልፍ ዝኽእል ብቀዳማይ ሚንስተር ዝምራሕ ኮሚቴ ቆይሙ ይስራሓሉ ከምዘሎ ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ንድምጺ ኣመሪካ ከምዝሓበሮ፡ ካብ ሕጂ ንድሓር ሰላምን ምርግጋእን`ዛ ሃገር ዝህውኽ፥ ንህልውና ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ፥ ድሕነት ህዝቢ ኣብ ስግኣት ዘውድቕን ሃገር ንምፍራስ ዝሰርሕን ዝኾነ ይኹን ኣካል ብትዕግስቲ ምጽዋር ከምዘይህሉ ኣብ ውሳነ ተበጺሑ`ሎ ኢሉ።

ብዝተሓሓዝ ዜና ቦርድ ብሮድካስቲንግ ኤጀንሲ ኢትዮጵያ፥ ዓሌታዊ ጎንጺ ይተዃቱዃ ኣለዋ ንዝበለን ናይ ተቓወምቲ ሚድያታት ናይ መጠንቀቕታ ደብዳበ ልኢኹ። ዳይሬክተር ቦርድ ፈነወ ኣቶ ጌታቸው ድንቁ፡ ከም ትግራይ መዲያ ሃውስ፡ ድምጺ ወያነን፡ ዝበሉ ሚድያታት፡ ዓሌታዊ ጎንጺ ዝዕድምን ነታ ሃገር ናብ ህውከት ዘእቱን ስራሓት ካብ ምስራሕ ክቑጠቡ ኣጠንቂቑ`ሎ። ናብተን ትካላት ሚድያ ፥ናይ መጠንቀቕታ ደብዳበ ከምዝተላእከለን`ውን ኣፍሊጡ`ሎ።

ኣብ ልዕሊ OMN ን ኣስራት ረድዮን ብዓቃቢ ሕጊ ዝተወስደ ስጉምቲ ከምዘሎ`ውን ኣቶ ጌታቸው ኣፍሊጡ`ሎ።

ሕጂ ዝመጻና ዜና ከም ዝሕብሮ ድማ፥ ብኣቶ ጃዋር መሓመድ ዝምራሕ ዝነበረ OMN ማለት ኦሮሞ ሚድያ ነት ወርክ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ መደበሩ ከምዝተዓጽወን ፖሊስ ኣብ ኣፍደገ ክሕልውዎ ከምዝርኣዩን ምንጭታትና ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም ኣለዉ።


ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ምልእቲ`ታ ሃገር ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ምስ ተዓጽወ`ዩ።

ኣብ ምብራቓዊ ኦሮሚያ ድማ ሓይልታት ጸጥታ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ይኣስሩ ከምዘለዉ ነበርቲ ዝተፈላለያ ከተማታት ንድምጺ ኣመሪካ ይሕብሩ`ለዉ። ነበርቲ ከተማታት ድሬዳዋ፥ ሃራማያን ጪሮን ድማ፥ ድሕሪ`ቲ ሞት ዘስዓበ ተቓውሞታት ሓይልታት ጸጥታ ንምንቅስቓሳት ነበርቲ ይድርቱ ከምዘለዉ ይሕብሩ- ።


ብዝተኣሳሰር ዜና፡ ንዝኽሪ`ቲ ኢትዮጵያዊ ደራፋይ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ናይ ሽምዓ መብራህቲ ቀጺሉ`ሎ- ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ካናዳ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ስዊድንን ነዘርላንድስ ተጠቃሳይ ክኸውን ከሎ፥ ኣብ `ታ ብብዝሒ ተወላዶ ኦሮሞ ዝነብሩላ ሚነሶታ ግን ዝዓበየ ምንባሩ ተፈሊጡ`ሎ- ናይታ ግዝኣት ኣመሓዳሪ፡ ከንቲባታት ዝርከብዎም ሓዘኖምን ሓድነቶምን ገሊጾም ኣለዉ- ።

XS
SM
MD
LG