ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዛላንበሳ፣ ራማን ሑመራን ጣብያታት ጉምሩክ ናይ ምኽፋት ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ ተገሊጹ


ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዘራኽብ መስመራት ዛላንበሳ፣ ራማን ሑመራን ስራሓት ንግዲ ንምክያድ ዘኽእል ናይ ጉምሩክ ምንቅስቓስ ብወገን ኢትዮጵያ ምጅማሩ ተገሊጹ።

ኣብ ኮሚሽን ጉምሩክ ኣካያዲ ስራሕ ጨንፈር መቐለ ኣይተ ምሕረትኣብ ገብረመድህን እቲ ስርሓት ኣብዚ ሐዚ እዋን ይዛዘም ምህላው ገሊጾም።

ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሕግን ስርዓትን ተኸቲሉ ክኸይድ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብመሰረት ዝተበጽሓ ስምምዕ ንምትግባር ኣብ ዛላንበሳ፣ ራማን ሑመራን ጣብያታት ጉምሩክ ናይ ምኽፋት ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ ኣብ ኮሚሽን ጉምሩክ ኢትዮጵያ ቤት ፅሕፈት ጨንፈር መቐለ ኣፍሊጡ።

ኣካያዲ ስራሕ እቲ ቤትፅሕፈት ኣይተ ምሕረተኣብ ገብረመድህን ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝገለፅዎ ኣብ ዛላንበሳ ስራሓት ጉምሩክ ዝቆፃፅሩ ኣባላት ፌደራል ፖሊስን ሰብሞያ ጉምሩክ 27 ሚያዝያ 2011 ዓ.ም. ከምዝኣተዉ ገሊፆም።

ብተመሳሳሊ ኣባላት ፌደራል ፖሊስን ሰብሞያ ጉምሩክን 28 ሚያዝያ 2011 ዓ.ም. ናብ ራማ ከምዝኣተዉ እቶም ኣካያዲ ስራሕ ሓቢሮም።

ተወሳኺ ሰብሞያ ጉምሩክ እውን ኣብዚ ሰሙን ናብቶም ከባቢታት ከምዝኣትው ኣይተ ምሕረት ኣብ ገሊጾም።

ብመስመር ሑመራ ድማ ቅድሚ ሐዚ ኣብ ዶብ ሱዳን ኣገልግሎት ይህቡ ዝነበሩ ሰብሞያ ስለዘለዉ ናብ ናይ ኤርትራ ዶብ ስርሓቶም ብምስፍሕፋሕ ኣገልግሎት ከምዝህቡ ተሓቢሩ’ሎ።

ኣይተ ምሕረተአብ ምምላእ ሰራሕተኛታትን መስርሒ ቦታን ይዛዘም ከምዘሎ ገሊጾም።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ምዝዛም ኹናት ድሕሪ ምእዋጁ ንክልቲኣን ሃገራት ዘራኽቡ ኣርባዕቲኦም መስመራት ተኸፊቶም ድሕሪ ምፅናሕ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ተዓጽዮም ከምዘለው ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG