ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዚምባብወ ብሰንኪ እምነት ኣብያ ክታበት 700 ሰባት ብሕማም ንፍዮ ምሟቶም ተገሊጹ


ዚምባብዌ፣ ብሰንኪ እምነት ንክታበት ኣይንኣምንን ዝብሉ ወለዲ፣ ኣስታት 700 ሰባት ከምዝሞቱዋን፣ ስዒቡ ንዝተኸሰተ ለበዳ ንፍዮ ኣብ ምምካት ከምትርከብን ተፈሊጡ።

ብሰንኪ’ዚ፣ ሰበ ስልጣን ጥዕና’ታ ሃገር፣ ንምቅልባስ እቲ ለበዳ፣ ክታበት ኣስገዳድ ንክኸውን ይጽውዑ ኣለው።

መንግስቲ ዚምባብዌ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ "እቲ ለበዳ ካብ ዝጀመረሉ ዝሓለፈ ሚያዝያ ንደሓር ልዕሊ 698 ሰባት መብዛሕተኦም ቆልዑ ሞይቶም ኣለው" ይብል።

ሰበ ስልጣን ጥዕና’ታ ሃገር ብወገኖም "ተሓተቲ ምስፋሕ ንፍዮ ኣብ ዚምባብዌ ገለ ሃይማኖታት እየን፣ መራሕቲ ዝተወሰና ሃይማኖታት፣ ኣንጻር ክታበት ጸረ ንፍዮ ይሰብኩ ጸኒሖም እዮም" ኢሎም ይኸሱ።

XS
SM
MD
LG