ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዚምባብወ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ብዝተላዕለ ተቓውሞ 12 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ዙምባቤ ኣብዚ ወርሒ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ዝተላዓለ ተቓውሞ እንተወሓደ 12 ሰባት ምሟቶም ልዕሊ 300 ድማ ከምዝቖሰሉ:ልዕሊ 600 ድማ ተኣሲሮም ከምዘለው ተፈሊጡ።ፕረዚደንት ኤመርሰን ምናንጋግዋ ነቲ ህውከት ምርመራ ክካየድን ብዛዕባ እቲ ተቓውሞ ሃገራዊ ልዝብ ክካየድን ፀዊዖም።

ንሰብኣዊ መሰላት ዝሕልቑ ዜጋታት እታ ሃገር ካብ ዋና ከተማ ክሳብ ገጠራት ኣብ ዘለው ከባቢታት ናይ ሓይልታት ፀጥታ ዝመስል መጥቓዕትታትን ዓፈናን ከምዝተፈፀመ ይገልፁ ኣለው።

ፕረዚደንት ምናንጋግዋ ኣብ መጀመሪያ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ጥሪ 150 ሚእታዊት ወሰኽ ነዳዲ ድሕሪ ምእዋጆም እዮም ኣብታ ሃገር ተቓውሞታትን ህውከትን ተላዒሉ።ሕቡራት ሃገራት መንግስቲ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሓይሊ ከይጥቀም እንተፀውዐ እውን ወሃቢ ቃል መንግስቲ ጆርጅ ቻራምባ ግን ፀቢብ ረብሓ ዘለዎም ወገናት ህውከት እናፈጠሩ መንግስቲ ደው ኢሉ ኣይሪኦምን እዩ ክብሉ ንመንግስታዊ መራኸቢ ማዕኸን ገሊፆም።

ፕረዚደንት ምናንጋግዋ ናይ ወፃኢ መገሽኦም ብምቁራፅ ትማሊ ሰሉስ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለው።

XS
SM
MD
LG