ኣብ ዙርያ ዓለም ተቐባልነት ክታበት ኮቪድ 19 እናዓበየ ከምዝኸደ ሓደ ኣህጉራዊ መጽናዕቲ ኣፍሊጡ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2020 ዝነበረ ዝሓሸ ምዃኑ ተጠቒሱ`ሎ። ኣብዚ ድማ ስዊድንን ብሪጣንያን ተጠቀስቲ ኮይነን ኣለዋ።
እቲመጽናዕቲ ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት ማለት ኣብ ብሪጣንያ: ፈረንሳ: ጀርመን: ጃፓን: ስዊድንን ኣሜሪካን ዝተኻየደ'ዩ።
89% ብሪጣናውያን ነቲ ክታበት ክቕበልዎ ከለዉ፡ ኣብ ስዊድን ድማ 76 % ደጊፎሞ`ለዉ። ኣብ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ድጋፍ ክታበት ውሕድ ዝበለ ምዃኑ`ውን ተራእዩ`ሎ።
ብኻልእ ዜና ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣሜሪካ ክታበት ጆንሰን ኣንድ ጆንሰን ንልዕሊ 18 ዕድመ ክውሃብ ትማሊ ሰንበት ኣጽዲቕዎ`ሎ- ።
ኣቐድም ኣቢሉ`ውን ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ ንምጥቃም ሓደ ዓቐን ክታበት `ቲ ካምፓኒ ኣጽዲቑ`ዩ- ኣስታት ኣርባዕተ ሚልየን ዓቐን ክታበት ጆንሰን ጆንሰን ክሳብ ጽባሕ ሰሉስ ክከፋፈል`ውን ኣፍቂዱ`ሎ። እዚ ድሕሪ ፋይዘርን ሞደርናን ኣብ ውሽጢ ኣሜሪካ ክውሃብ ፍቓድ ዝረኸበ ፋብሪካ ኮይኑ`ሎ።
ክታበት ጆንደን ኣንድ ጆንሰን ኣንጻር`ቲ ሕማም ዝበርትዖም 85 % ኣድማዒ ከምዝኸውን ሰበ-ስልጣን ጥዕና ኣሜሪካ ይኣምኑ።
ብኻልእ ተመሳሳሊ ዜና ፊሊፒኒስ ሎሚ ሰኑይ ሃገራዊ ወፍሪ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣበጊሳ ውዒላ። እቲ ወፍሪ ክታበት ዝተጀመረ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ክታበት ኮሮናቫይረስ ጥርጣረታት ኣብ ዘለወሉ እዋን`ዩ።
ነቲ ብቻይና ዝማዕበለ ኮሮናቫክ ዝተባህለ ክታበት መጀመርያ ዝወሰደ ዳይሬክተር ሆስፒታል ማኒላ ዶ/ር ገራርዶ ለጋስፒ ኮይኑ`ሎ።
እቲ ክታበት ዝተጀመረ- ፕፕረዚደንት ፊሊፒኒስ ሮድሪጎ ዱተርተ ብቻይና ዝተለገሰ 600 ሺሕ ዓቐን ክታበት ሓንጎፋይ ኢሉ ድሕሪ ምቕባሉ`ዩ።
ፊሊፒኒስ ንክታበት ኮቪድ ካብ ዝተቐበላ ሃገራት ደቡባዊ እስያ እታ ናይ መወዳእታ ሃገር ኮይና`ላ። ምምሕዳር ዱተርተ ሽሕ`ኳ ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት`ቲ ክታበት ምጥርጣራት ብሰፊሑ ይርኣይ እንተሃለወ ን70 ሚልየን ዜጋታቱ ክኸትብ`ውን መዲቡ`ሎ።