ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዓድዋን ማይጸብሪን ደብዳብ ነፈርቲ ምክያዱ ተገሊጹ


መቐለ
መቐለ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰንበት’ውን ኣብ ክልል ትግራይ ክልተ መጥቃዕታት ነፈርቲ ኣካዪዱ::

ብሰንበት 24 ጥቅምቲ 2021 መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዓድዋን ማይጸብሪን ደብዳብ ነፈርቲ ኣካዪዱ።

ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ማይጸብሪን ወታሃደራዊ ክዳን ዝፈረየሉ ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳን’ዩ ተፈጺሙ ክብሉ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሮም።

ወሃብ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሑዎ ጽሑፍ ግን እቲ ቦምባ ኣብ ማይ ጸብሪ፡ ኣብ ጥቓ ሆስፒታል ምውዳቑን ኣብ ክልቲኡ ወገናት ንወተሃደራዊ ዒላማ ከምዘይወቕዐን ኣመልኪቶም።

ብፈደራላዊ መንግስቲ ካብ መዝነቱ ዝተኣልየ ሓላፊት ቢሮ ኮምኒከሽን ክልል ትግራይን ዝዀና ሊያ ካሳ ንወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ መቐለ ከም ዝነገረኦ ድማ ኣብ ሰላማዊ ሰብ ከቢድ ክሳራ ወሪዱ ኣሎ። ብመሰረት ሓበሬታ እተን በዓልቲ መዚ ግን ብሰንኪ’ቲ ዘሎ ጸገም መራኸቢታት ብልክዕ ቍጽሪ ጉድኣት ንምፍልጥ ደኣ ኣይከኣል እምበር፡ በቲ ዝተኻየደ ደብዳብ ሰለማውያን ሰባት ተወቒዖም ሕክምናዊ ሓገዝ ይግበረሎም ምህልወን ኣብ ዝሃበኦም ቃለ መጠየቕ ኣፍሊጠን።

XS
SM
MD
LG