ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ዓዲ-ዳዕሮ መጥቃዕቲ ድሮን ተመዛበልቲ ቀቲሉ” ኣይተ ጌታቸው ረዳ


ኣይተ ጌታቸው ረዳ -ፋይል
ኣይተ ጌታቸው ረዳ -ፋይል

ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ክልል ትግራይን ወሃብ-ቃል ህወሓትን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሎሚ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ሓይልታት ፈደራል ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዓዲ-ዳዕሮ መጥቃዕቲ ድሮን ብምፍጻም ሰለማውያን ዜጋታት ምቕታሉ ከሲሱ። ኣይተ ጌታቸው ኣብ መልኽእቲ ትዊተሩ እቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝተሃርሙ ቆልዓ-ሰበይቲ ዝርከቦም ካብ ምዕራብ ትግራይ ዓዲያቦ ዝመጽኡ ተመዛበልቲ ምዃኖም ጠቒሱ ኣሎ። ብዝሒ ግዳያት ግን ኣይሓበረን።

ድምጺ ኣመሪካ ብሰንኪ ዘሎ ስእነት መራኸቢታት ነቲ ዝተባህለ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ነዚ ዳሕረዋይ ክሲ ኣመልኪቱ ዝተወሃበ ግብረ-መልሲ ዛጊት ኣይረኸብናን። ኣቐዲሙ ግን ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ዓዲ ዳዕሮ ብወገን መሪሕነት ክልል ትግራይ፡ ብኤርትራ ተፈጺሙ ዝተባህለ ደብዳብ ከቢድ-ብረት፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ፈጻሚ ናይቲ መጥቃዕቲ ባዕሉ ምዃኑ ብምሕባር ሓላፍነት ወሲዱ ነይሩ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ እዋኑ፡ ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ ንወታሃደራዊ መኽዘን ምዃኑ’ዩ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ብሰንኪ ዳግማይ ዝተወልዓ ውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ሰሜን ወሎ ተፈናቂሎም ዝጸንሑ ሰባት ናብ ከባቢኦም ይምለሱ ኣለው።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሓደጋን ድልውነትን ሰሜን ወሎ ኣቶ ዓለሙ ይመር፣ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ እቶም ተፈናቀልቲ፣ ሕውስዋስ ስምዒት ሒዞም ናብ መንበሪኦም ይምለሱ ኣለው ከምዝበሉ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቶም ተፈናቀልቲ ናብ ከባቢኦም ይምለሱ ዘለው ሓይልታት ትግራይ ካብ’ቲ ይቆጻጸርዎ ዝነበረ ከባቢታት ሰሜን ወሎ ስሒብና ኣለና ድሕሪ ምግላጾም እዩ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ብዛዕባ ውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ ከምዝተዘራረቡ’ውን ተሓቢሩ'ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዓዲ-ዳዕሮ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ድሮን፡ ብዝሒ ምዉታት ልዕሊ 50 ቍስላት ድማ ልዕሊ 70 ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንሰራሕተኛታት ረዲኤት ብምውካስ ጸብጺቡ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ እቲ ኣሃዝ ኣብ መንጎ 50ን 60 ምዃኑ ነቶም ክልተ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ብምሕታት ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ብዛዕባ’ዚ ግብረ-መልሲ ንምርካብ ካብ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ለገሰ ቱሉ፡ ወሃብ-ቃል ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮነሬል ጌትነት ኣዳነን ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩምን ዝገበሮ ፈተነ ከም ዘይሰለጦ እቲ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ።

እቲ ደብዳብ ድሮን፡ ተመዛበልቲ የዕቍቦምሉ ዝነበሩ ቤት ትምህርቲ ምህራሙ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይጠቅስ።

XS
SM
MD
LG