ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዓለምለኸ ውድድር ኣትሌትክስ ዝተሳተፉ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌት ድሙቕ ኣቀባብላ ተጌይርሎም


ኣብ ኣመሪካ ካብ ዝተዳለወ ዓለምለኸ ውድድራት ኣትሌትክስ ድሕሪ ምስታፎም ናብ ሃገሮም ዝተመለሱ ኣትሌታት ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሙቅ ኣቀባብላ ተጌይርሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ’ቲ ውድድራት ኣትሌትክስ ንኣመሪካ ስዒባ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ነቲ ውድድር ከምዝዛዘመት ዝዝከር እዩ። ኣባላት’ታ ጋንታ ኣብ ጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተዘዋወሩሉ እዋን ካብ ህዝቢ ልዑል ኣድናቆት ረኺቦም።

ፕረዚደንት ፌደረሽን ኣትሌትክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር ደራርቱ ቱሉ ኣትሌታት ክልል ትግራይ ምስ ቤተሰቦም ዝራኸብሉ ኣገባብ ንክፍጠር ሓቲታ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ኣብ ውድድራት ኦሪገን መዳልያ ዝተሸለሙ ኣትሌታት ክሳብ 2.5 ሚሊዮን ብር ሽልማት ተቀቢሎም ኣለው።

ኣብ’ቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝተዳለወ ስነ ስርዓት መደረ ዘስማዓ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብወገነን ዝተረኸበ ዓወት ልዕሊ መዳልያ እዩ ብምባል ነቶም ኣትሌታት ከምዝናኣዳ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝለኣኾ ሪፖርት ሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG