ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ውሃን ተመራመርቲ ውድብ ጥዕና ዓለም መበገሲ ቫይረስ ኮሮና ንምምርማር ስርሖም ክጅምሩ'ዮም


መርመርቲ ውዱብ ጥዕና ዓለም ኣብ ውሃን ቻይና ንዝነበሮም ናይ ክልተ ሰሙናት ውሸባ ወዲኦም ወፂኦም።ሕጂ ንመቦቀል ለበዳ ኮቪድ 19 ናይ ምምርማር ስርሖም ክጅምሩ እዮም።

እቲ ዓለምለኸ መርማሪ ጉጅለ ሎሚ ሓሙስ ጥሪ 28,2021 ካብቲ ዝተወሸብሉ ሆቴል ወፂኦም ኣለው።

ቻይና ንዓለምለኸ ምርመራ ንኣዋርሕ ክትነፅግ ድሕሪ ምፅንሓ ነቲ መፅናዕቲ ብዝግባእ ከምትኸፍት ቃል ኣትያ ኣላ።እቲ ጉጅለ ኣብ ማእኸላት ምርምር ንዝሰርሑ ሰባት፣ኣብ ሆስፒታላትን እቲ ቫይረስ ንመጀመሪያ ግዜ ዝተርኣየሉ ማእኸል ዕዳጋን ቃለ- መጠይቕ ኣብ ምግባር ብርክት ዝበሉ ሰሙናት ከሕልፉ ትፅቢት ይግበረሉ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ናይዚ ተልእኾ ዕላማ ነቲ ለበዳ ግጉይ አካል ንምምዳብ ዘይኮነ ንንመጻኢ ክኽሰቱ ንዝኽእሉ ሕማማት ብዝሓሸ ኣገባብ ንምክልኻል እዩ ኢሉ ኣሎ።

ኖቭል ኮሮናቫይረስ ኣብ መወዳእታ 2019 ኣብ ውሃን ካብ ዝረአ ጀሚሩ ኣብ ዙሪያ ዓለም ብዝሒ በቲ ለበዳ ዝተትሓዙ ልዕሊ 100 ሚሊዮን ዝሞቱ ድማ ኣስታት 2.1 ሚሊዮን ሰባት ተመዝጊቦም ኣለው።

ናይቲ ቫይረስ ምንጪ ምርመራ ክግበር ልዕሊ 120 ሃገራት ዝፀውዓ ክኾና ከለዋ ብርክት ዝበሉ መንግስታት ቻይና ነቲ ለበዳ ንምግታእ እኹል ፃዕሪ ኣይገበረትን ክብሉ ይኸሱ።

XS
SM
MD
LG