ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዋና ከተማ ዩክሬን ብዝወደቐት ሄሊኮፕተር ምኽንያት 18 ሰባት ሞይቶም


ሎሚ ረቡዕ ኣብ ጥቓ ዋና ከተማ ዩክሬን ብዘጋጠመ ሓደጋ ምውዳቕ ሄሊኮፕተር ሓደ ኣባል ካብነ ሓዊሱ ብውሑዱ 18 ሰባት ሞይቶም።

ብመሰረት ዋና ሓላፊ ሃገራዊ ፖሊስ ዩክሬን ኢሆር ክሊመንኮ: ሚንስትር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ደኒስ ሞናስትሪስክን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ታሕተዎት ሰበስልጣን እቲ ሚንስትሪን ካብ መንጎ እቶም በቲ ሓደጋ ዝሞቱ እዮም።

እታ ነፋሪት ኣብ ምብራቓዊ ኪየቭ ኣብ ዝወደቐትሉ ብውሑዱ ሰለስተ ቆልዑ ከምዝሞቱ ተፈሊጡ'ሎ።ሰበስልጣን ከምዝበሉዎ እታ ኣገልግሎት ህፁፅ ሓደጋ እትህብ ሄሊኮፕተር ኣብ ጥቓ መውዓሊ ህፃናት እያ ወዲቓ:ምኽኒያት መውደቒኣ ግን ንፁር ኣይኮነን።

XS
SM
MD
LG