ዋሽንግተን —
ሎሚ ዓርቢ ንግሆ ኣብ ቤተመንግስቲ ቡርኪናፋሶ ከምኡ`ውን ኣብ ዋና-ቤት ጽሕፈት ወተሃደራዊ ጁንታ`ታ ሃገር ተኹሲ ምስምዑ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይሕብሩ።
ቀንዲ ጽርግያታት ዋና ከተማ ዋጋዱጉ ብወተሃደራት ተዓጽዩ`ሎ፣ ተለቪዥን`ታ ሃገር`ውን ፈነወኣ ኣቋሪጻ`ላ።
መሰኻኽር ዓይኒ ከባቢ ሰዓት 4:30 ናይ ለይቲ ከቢድ ፍንጀራ ተኹሲ ከምዝሰምዑን ወተሃደራት ኣብ ከባቢ ፕረዚደንታዊ ቦታታት ተደኩኖም ከም ዝርኣዩን ይገልጹ`ለዉ።
ሌ/ኮሌነል ፓወል ዳሚባ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ካብ ዝሕዝ፡ ጎንጺ ካብ ቡርኪናፋሶ ኣይተፈለየን። ምስ ኣልቓዒዳ ምትእስሳር ኣለዎም ዝብሃሉ ዕጡቓት`ውን ነቲ ህውከት የጋድድዎ ከምዘለዉ`ዩ ይንገር። 40% ቡርኪናፋሶ ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ወጻኢ`ዩ።