ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክግበር ዝጽውዕ ሰልፊ ተካይዱ


ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ኣመሪካዊያንን ተወላዶ ኦሮሞን ነንበይኖም ሰላማዊ ሰልፍታት ኣካይዶም።

ተወላዶ ኦሮሞ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ፊት ንፊት ቤት ዕዮ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ሰልፊ ዘካየዱ ክኾኑ ከለው ኢትዮጵያዊያን ኣመሪካዊያንን ኸኣ ትማሊ ኣብ ፊት ንፊት ዋይት ሃውስ’ዮም ነቲ ሰልፊታቶም ዘካየዱ።

ክልቲኦም ወገናት ነንበይኖም ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኦሮሞን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ብሄር ኣምሓራን ተፈፂሙን ይፍፀም ኣሎን ንዝበልዎ ምግሃሳትን ቅትለትን ብምቅላሕ ዕላማ’ቲ ሰላማዊ ሰልፍታቶም መንግስቲ ኣመሪካ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሓባበሩን ኣካላት ኣብ ልዕሊ መንግስት ኢትዮጵያ ፀቅጢ ክገብር ንምሕታት ምኻኑ ተዛሪቦም’ለዉ።

XS
SM
MD
LG