ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ወፍሪ ምርጫ ዝተአሰሩ 11 አባላት ኢዜማ ምፍትሖም ተሓቢሩ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባ ኮንሶ 11 ኣባላት ፓርቲ ናይ ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ \ኢዜማ\ ናይ ምርጫ ወፍሪ የካይዱ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ብሓይልታት ፀጥታ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታዎም: ክትሓዙ ከለው እውን ተቐጥቂጦም ጉድኣት ከምዝወረዶምን ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኢዜማ ኣቶ ናትናኤል ፈለቀ ገሊፆም።

ኢዜማ ንድምጺኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃል ንኽልተ መዓልታት ምስተኣሰሩ ተፈቲሖም ኣለው ኢሉ ኣሎ።

ሓላፊ ሰላምን ፀጥታን ዞባ ኮንሶ ኣቶ ሃሰን ዎላሎ ኣብቲ ዞባ ብሰንኪ ናይ ምርጫ ወፍሪ ዝተኣሰረ ሰብ የለን ክብሉ ብምግላፅ ኣብ ኣደባባይ ‘'መንግስቲ ፍሪሱ እዩ’’ ኢሎም ዝኣወጁን ዘይሕጋዊ ተግባር ክፍፅሙ ዝተትሓዙን ወልቀሰባት ግን ኣለው ኢሎም።

XS
SM
MD
LG