No media source currently available
ብደራስን ኣጽናዕን በረኸት ኣማረ ዝተጻሕፈት ‘ካብ ጥሪ ናብ ጥሪ” ዝተሰመየት ኣብ ወግዕታት፡ክብርታትን ያታታትን ዘተኮረት ናይ ምርምርን መጽናዕትን መጽሓፍ ፥ ዝሓለፈ ወርሒ 22 ሓምለ 2022 ኣብ ኣስመራ ሆተል እምባሶይራ ተመሪቓ`ላ። እታ መጽሓፍ ፡ኣብ ማእከላይን ደቡባውን ከበሳ ዘሎ ሕብረተሰብ ትግርኛ፡ ኣብ ሓደ ምሉእ ዓመት ዘካይዶ ኩሉ ዓይነት ንጥፈታት ትገልጽ ኮይና፡ ዝበዝሐ ትሕዝቶኣ ኣብ ኣፋዊ ስነ-ግጥሚ ዘተኮረ እዩ።