ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ወግዕታት፥ክብርታትን ያታታትን ዘተኮረት መጽሓፍ 'ካብ ጥሪ ናብ ጥሪ' ብበረኸት ኣማረ


ኣብ ወግዕታት፥ክብርታትን ያታታትን ዘተኮረት መጽሓፍ 'ካብ ጥሪ ናብ ጥሪ' ብበረኸት ኣማረ
please wait

No media source currently available

0:00 0:12:33 0:00

ኣብ ወግዕታት፥ክብርታትን ያታታትን ዘተኮረት መጽሓፍ 'ካብ ጥሪ ናብ ጥሪ' ብበረኸት ኣማረ

ብደራስን ኣጽናዕን በረኸት ኣማረ ዝተጻሕፈት ‘ካብ ጥሪ ናብ ጥሪ” ዝተሰመየት ኣብ ወግዕታት፡ክብርታትን ያታታትን ዘተኮረት ናይ ምርምርን መጽናዕትን መጽሓፍ ፥ ዝሓለፈ ወርሒ 22 ሓምለ 2022 ኣብ ኣስመራ ሆተል እምባሶይራ ተመሪቓ`ላ።

እታ መጽሓፍ ፡ኣብ ማእከላይን ደቡባውን ከበሳ ዘሎ ሕብረተሰብ ትግርኛ፡ ኣብ ሓደ ምሉእ ዓመት ዘካይዶ ኩሉ ዓይነት ንጥፈታት ትገልጽ ኮይና፡ ዝበዝሐ ትሕዝቶኣ ኣብ ኣፋዊ ስነ-ግጥሚ ዘተኮረ እዩ።

እታ 37 ገጻት ዝሓዘት መጽሓፍ፡ንወግዕታት መውስቦን መርዓን፡ማሕበራዊ ያታዊ ስነ-ስርዓት ሓረስቶትን ንጥፈታቶምን፡ኣውደ ዓመታትን በዓላትን፡ ደርፍታትን ጨፈራታትን ፡ሕንቅል ሕንቅሊተይ፡ኣዝግንኒ፡ቅኔ፡ውስጠዘ፡ባህላዊ ጸወታታትን ምስላታትን(መበቆላዊ ኣበጋግስኦምን)፡ ወዘተ ዝምልከቱ ብርክት ዝበሉ ትሕዝቶታት ዝሓቖፈት ‘ያ።

ኣብ መእተዊ ናይታ መጽሓፍ፡ኣገደስቲ ኣመራት ናይ ኣፋዊ ያታታት ብምብራህ፡ኣንባቢ ብዛዕባ ረቂቕን ኣካላውን ባህላዊ ውርሻ፡ኣፋዊ ስነ-ጽሑፍ፡ኣፋዊ ስነ-ግጥሚ፡ህደማን ደጉዓን፡ ኣፋዊ ታሪኽ፡ኣቦኖኣዊ ፍልጠት(Indigenous knowledge)፡ ሓፈሽዊ ኣፍልጦ ዝ ህብ ሓበሬታ ኣብ ርእሲ ምስናቕ ፡ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ብዙሕ ዘይዝውተሩ ማዕከን ቃላት ትግርኛ ምስ ትርጉሞም ዝጠርነፈት ውጽኢት ዓይነታዊ መጽናዕታዊ መጽሓፍ ከምዝኾነት’ዩ ደራሲኣ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ`ሎ።

እዛ መጽሓፍ ፡ንመንን ንምንታይ ዕላማን ከምዝተጻሕፈትን ካልእን ፡በረከት መብርሂ ኣለዎ።

በረከት ኣማረ ቅድሚ ሕጂ “ሰንሰለት ወለዶታት ኤርትራ” ትብል ተመሳሳሊ መጽናዕታዊ ወይ ምርምራዊ ጠባይ ዘለዋ ቀዳማይ መጽሓፍ ጽሒፉ’ዩ።

እቲ ምስ ደርሲ ናይዛ መጽሕፍ ዝተኻየደ ቃለ መሕትት ንውሕ ዝበለ ኮይኑ ፡ ጽማቝ ተሕዝቶኣ ብኸምዚ ዝስዕብ ቀሪቡሎ።

XS
SM
MD
LG